ሓካይም ዚምባብዌ፣ ወሰኽ ደሞዝ ብምጥላብ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ኣካይዶም

ሓካይም ዚምባብዌ፣ ወሰኽ ደሞዝ ብምጥላብ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ኣካይዶም

Radio Erena: 29 October, 2014

Zim doc

ሓካይም ዚምባብዌ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ኣካይዶም።

እቶም ትማሊ ስራሕ ደው ብምባል ኣድማ ዘካየዱ ልዕሊ 300 ሓካይም ናይቲ ብመንግስቲ ዝውነን ህዝባዊ ሆስፒታል ከተማ ሃራረ፣ ናይ ወሰኽ ደሞዝ’ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ።

ንሳቶም 283 ዶላር ኣመሪካ ወርሓዊ ደሞዝ ዝኽፈሉ ኮይኖም ደሞዞም ናብ 1200 ዶላር ክብ ክብል’ዮም ዝሓቱ ዘለዉ።

ብሰንኪ’ቲ ዘካየድዎ ስራሕ ደው ናይ ምብላ ኣድማ ከኣ፣ እቲ ሆስፒታል ሪጋ ሒዞም ብዝወዓሉ ሕሙማን ኣዕለቕሊቑ ከምዝወዓለ ማዕካናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

 

መንግስቲ ንደሞዝ እቶም ሓካይም ንምስትኽኻል መደብ ከምዘለዎ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ድሕሪ’ቲ ኣድማ እኳ እንተሓበረ፣ እቲ ሓቲቶሞ ዘለዉ ናይ ኣስታት 400 ሚእታዊት ወሰኽ ግና ዝተጋነነ ምዃኑ ገሊጹ።

ብሰንኪ’ዚ ናይ ደሞዝ ጉዳይ፣ ህዝባዊ ሆስፒታላት ዚምባቤ እዅል ሞያዊ ዓቕሚ ሰብ ከምዘይብሉ’ውን ይጠቐስ።

ቁጠባ እታ ሃገር ከኣ ባይታ ዘቢጡ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ ሓካይም ዝርከብዎም ሰራሕተኛታት መንግስትን ሰብ ሞያን ብቀጻሊ’ዮም ወሰኽ ደሞዝ ዝጠልቡ ዘለዉ።

ባጤራ እታ ሃገር ንዝቕባበ ክጻወሮ ስለዘይክኣለ፣ ኣብታ ሃገር ዶላር ኣመሪካ፣ ኤውሮን ፕውንድ ናይ ዓንዲ እንግሊዝን ከም ሕጋዊ ባጤራ’ዩ ዘገልግል።

90 ዓመት ዝዕድሚኡ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ዝመርሖ ዘሎ መንግስቲ እታ ሃገር፣ ቁጠባዊ ምትዕርራይ ክገብር ብዘይምኽኣሉ፣ መነባብሮ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ወዲቑ ይርከብ።

ሓካይም፣ መማህራን ዝርከብዎም 10ታት ኣሽሓት ዜጋታት ዚምባብዌ ከኣ ብሰንኩ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ከምዝስደዱ ጸብጻባት የመልክቱ።

ሞሰብ ኣፍሪቃ እናተባህለት እትግለጽ ዝነበረት ዚምባብዌ ኣብዚ ናይ 34 ዓመት ዘበነ ስልጣን ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ሓንቲ ካብተን ወዳሞት ድኻታት ሃገራት ኣፍሪቃ’ያ። 

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0