ሓላፊ ስለያን ጸጥታን ሱዳን፣ ‘ኣብ ጎድኒ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣለና’

ሓላፊ ስለያን ጸጥታን ሱዳን፣ ‘ኣብ ጎድኒ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣለና’

Radio Erena: 10 February 2019

ሓላፊ ስለያን ጸጥታን ሱዳን፣ ኩሎም ሓይልታት ሰራዊት’ታ ሃገር ኣብ ጎድኒ ፕረዚደንት ኣልበሽር ከምዘለዉ ገሊጹ።

ንሱ ንሓለፍቲ ስለያን ጸጥታን’ታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ኣብ ሱዳን ፕረዚደንት ዝቕየር ብሕጋዊ ምርጫ ጥራይ እዩ ክብል ድሕሪ ምግላጽ፣ ሓይልታት ሰራዊት ኮኑ ኣባላት ጸጥታ ኣንጻር ኣልበሽር ዝካየድ ዘሎ ኣድማታት ደው ክብል ጻዕርታት ከካዪዱ ጸዊዑ።

ሳላሕ ዓብደላ ነዚ ዝገልጽ ዘሎ፣ ማዕከናት ዜና ምዕራባውያን ሃገራት፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ብሰላም ስልጣኑ ገዲፉ፣ ንሱ ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ክኸውን’ዩ ዝብል ዜና ኣመሓላሊፈን ዝብል ወረ ኣብታ ሃገር ብሰፊሑ ይውረ ኣብዘለወሉ እዋን’ዩ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፍታት፣ ዛጊት ህይወት 31 ሰባት ወሲዱ ከምዘሎ መንግስታዊ ጸብጻባት’ታ ሃገር የመልክት። እንተኾነ ህዩማን ራይትስ ዎች ዝርከቦም ኣህጉራውያን ትካላት ቁጽሪ ምዉታት ብውሑዱ ልዕሊ 51 ከምዝኾነ የመልክቱ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝጀመረ ኣንጻር ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝቐንዐ ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን፣ በብእዋኑ ናብ መላእ እታ ሃገር እንዳስፋሕፈሐ ይመጽእ ከምዘሎ ይፍለጥ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0