ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ኣስታት 600 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዘድሓነ ገሊጹ

Radio Erena: 23 February 2022

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፣ ኣስታት 600 ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ምጥሓል ከምዘድሓኑ፣ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ካብዞም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት 59 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምዝርከብዎም፣ ዝበዝሑ ካብኦም ከኣ ኣላዪ ዘይብሎም ምዃኖም፣ ኣፈኛ’ቲ ሓለዋ ባሕሪ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ህቦብላ ብዝተሓወሶ ዝናብ ኣሸጋሪ ኮይኑ ዘሎ ኩነታት ኣየር፣ ንጀላቡ ናይ’ቶም ስደተኛታት ስለዝሰባበረን፣ ብእኡ መጠን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ምንባሩ ተገሊጹ።

ሓደ መንነቱን ዜጋ ናይ ኣየነይቲ ሃገር ምዃኑን ዘይተገልጸ ስደተኛ፣ ህይወቱ ምሕላፋ፣ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ገሊጹ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ብውሑዱ 10,570 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣትዮም ኣለዉ። 229 ከኣ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ፣ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ፣ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ይገልጽ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0