ሑቲ፣ ብሰብ ኣልቦ በራሪ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ሓያሎ ወትሃደራት የመን ተቐቲሎም

ሑቲ፣ ብሰብ ኣልቦ በራሪ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ሓያሎ ወትሃደራት የመን ተቐቲሎም

Radio Erena: 11 January 2019

ሑቲ፣ ብሰብ ኣልቦ በራሪ (ድሮን) ብዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ሰልፊ ዝነበሩ ብውሕዱ ሓሙሽተ ወትሃደራት መንግስቲ የመን ከምዝቐተለ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ብሓሙስ 10 ታሕሳስ፣ ኣብ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣል ዓናድ ዝተኻየደ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሑቲ፣ ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት መንግስቲ የመን ንምቕታል ዝዓለመ’ዩ።

እቲ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ የመን፣ ካብቲ ሞት ክድሕን እኳ እንተኸኣለ፣ ንሱ ዝርከቦም 20 ካልኦት ቆሲሎም ኣብ ሕክምና ከምዘለዉ ጸብጻብ ኣልጀዚራ ኣገንዚቡ።

ሑቲ፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት የመን ኣብቲ ኣብ ከባቢ ዓደን፣ ዞባ ላሒጅ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስክር ክበጽሕ ምዃኑ ስለያዊ ሓበሬታ ድሕሪ ምርካቡ ነቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከምዝወደቦ ኣፍሊጡ።

ኣስታት ሓደ ኩንታል ዝምዘን ቦምብ፣ ኣብ ሰብ ኣልቦ በራሪ (ድሮን) ጽዒኑ ድሕሪ ምልኣኹ፣ ኣብቲ መዓስከር ምስ በጽሐ ከምዝተፈንጀረ ኣረጋጊጹ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ንሑቲ ንምብርኻኽ ዘካየድኦ ናይ ሰለስተ ዓመታት ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምንዳይ ምስቲ ኣብ ስደት፣ ኣብ ሪያድ ዝርከብ መንግስቲ ዘተ ንምክያድ፣ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ተጀሚሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0