ሎሚ 3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ይዝከር ኣሎ

ሎሚ 3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ይዝከር ኣሎ

Radio Erena: 03 May 2016

pres

ሎሚ 3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ይዝከር ኣሎ።

ብደረጃ ዓለም፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ቀዳሞት ጸላእቲ ፕረስ ምዃኑ ብምክኝያት እዛ ዕለት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ዝወጽእ ዘሎ መግለጺታት’ውን የመልክት።

እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝዝከር ዘሎ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዓለም፣ ህዝቢ ሓሳቡ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ተሓሪሙ ምህላዉ ኣጉሊሑ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ቀዳሞት ጸላእቲ ናጻ ፕረስ ተባሂሎም ብሕማቕ ኣብነት ካብ ዝተጠቕሱ መራሕቲ’ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግኑን ስም ሒዙ ቀሪቡ ይርከብ።

 

ኣብ ኤርትራ በብእዋኑ ናይ ዝተኣስሩ ብዝሒ ጋዜጠኛታት ልዕሊ 50 ዝበጽሕ እኳ እንተኾነ፣ ካብ 2013 ክሳብ ጥሪ 2015 ኣብ ዝነበረ እዋን ግ፣ ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜናን ሬድዮ ባና ዝርከብዎም ኣስታት 30 ካብኣቶም ከምዝተፈትሑ ይዝከር።

እንተኾነ፣ ሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራ ካብ 2001 ኣትሒዞም በብእዋኑ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣስታት 20 ዝኾኑ ኣባላት ሚኒስተሪ ዜናን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ይኹን ካልእ ማዕከን ዜና ብዘይምህላዉን፣ ንሓያሎ ዓመታት ንዝተቐየዱ ጋዜጠኛታት ከኣ ናብ ፍርዲ ብዘይምቕራቦምን፣ ኤርትራ ነዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ብናጽነት ፕረስ ካብ 180 ሃገራት ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ ትርከብ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0