ልዕሊ 35 መራሕቲ ዝሳተፍዎ መበል 33 ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 06 February 2020

መበል 33 ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ 9ን10ን ለካቲት ክካየድ’ዩ።

ኣብቲ፣ “ምዝሓል ጠበናጁ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝካየድ ኣኼባ፣ ብውሕዱ 35 መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ብኣካል ክሳተፉ’ዮም።

ካብ ዞባውያን ኣህጉራውያን ዋዕላታት ንሓያሎ ዓመታት ተገሊሉ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ዋዕላ ከምዘይሳተፍን፣ ኤርትራ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከብ ልኡኻ ከምእትውከልን ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ኣሚቶም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ ኤርና ሶልበርግን፣ ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ክብሪ ዕዱማት ክኾኑ’ዮም።

ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ በብደረጅኡ ካብ 21 ጥሪ ኣትሒዙ ክካየድ ጸኒሑ’ዩ።

ሎሚ 6ን ጽባሕ 7ን ለካትቲ፣ ብደረጃ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዝካየድ ኣኼባታት ከምዘሎ መደባት እቲ ሕብረት የመልክት።

10 ለካቲት ድማ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ብዘሕልፍዎ እማመታትን ለበዋታትን ስሩዕ ዋዕላ እቲ ሕብረት ክዛዘም’ዩ።

እቲ ዋዕላ፣ “ምዝሓል ጠበናጁ” ብዝብል ቴማ ይካየድ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎን ብሕጂ ክባራዕ ዝኽእልን ግጭታት፣ ክንዮ ከምዚ ዓይነት ምትእኽኻብ መራሕቲ ዝኸየድ ሃናጺ ተበግሶታት ከምዘድልዮ ተንተንቲ የረድኡ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0