ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 20 March 2017

Egypt Eri del

እቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተመርሐ ልኡኽ፣ ብ19 መጋቢት ካይሮ ኣብ ዝኣተወሉ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሾክሪ ብምርኻብ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሎ ኩነታት ከምዝዘተዩ ምንጭታት ዜና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ብጉዳይ እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ናይል እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ምስታ ሃገር ኣብ ዘይምቅዳው እትርከብ ግብጺ፣ ምስ ኩለን እተን ምስ ኢትዮጵያ ምትእስሳርን ጽልዋን ኣለወን እትብለን ሃገራት ጽዑቕ ርክባት ኣብ ምክያድ’ያ ትርከብ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ምስ ፕረዚደንታት ኤርትራ፣ ጅቡቲ፣ ኡጋንዳ፣ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ርክባት ኣካይዱ ኣሎ።

ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣማኻሪ ንጉስ ሳልማን ዝመርሖ ልኡኽ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ናብቲ ዲጋ ምብጽሑ፣ ግብጺ፣ ከም ግብረ መልሲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ጽዑቕ ርክባት’ያ ተካይድ ዘላ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር በብእዋኑ ዝጎሃሃር ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢ ኦሮሞ ብመንግስታት ግብጽን ኤርትራ ከምዝተደፋፋአ’ዩ ዝወቕስ።

ብዘይካ’ዚ ግብጺ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዕጡቓት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፣ ፊናስያዊ ደገፍ ከምእትገብረሎም’ዩ ዝዝረብ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0