“ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ጽባሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ’ዩ፣” ኣፈኛ ሚ/ጉ ወጻኢ ኢትዮጵያ

“ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ጽባሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ’ዩ፣” ኣፈኛ ሚ/ጉ ወጻኢ ኢትዮጵያ

Radio Erena: 25 June 2018

Meles Alem 2

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ’ቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ናይ ሰላም እማመ ንምዝርራብ ጽባሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ምዃኑ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ልኡኽ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣመሪካ ምስጢራዊ ዑደት ከካይዱ ዝቐነዩ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማን ገብርኣብን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ከምዝርከብዎ ተገሚቱ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፣ ንስምምዕ ሰላም ኣልጀርስን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ ከምእትቕበሎን ከምእተተግብሮን ድሕሪ ምፍላጡ ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ከይሃበ ዝወርሐ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብመንገዲ ‘ቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ዝሃቦ መግለጺ ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ የበግስ ምህላዉ ምሕባሩ ይዝከር።

ኢትዮጵያ፣ ሰራዊታ ባድመ ካብ ዝርከቦ ንኤርትራ ዝተዋህበ ከባቢታት ንክትስሕብ ዝርርብ ከም ቅድመ ኩነት ከተቕርቦ እኳ እንተጸንሐት፣ መንግስቲ ኤርትራ ብኣንጻሩ ሰራዊት ከይስሓበ ናብ ዝርርብ ከምዘይቀርብ’ዩ ክነጽጎ ጸኒሑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመን ካልእ ንኤርትራ ዝተዋህበ ከባቢታትን ከይሰሓበ እንከሎ’ዩ፣ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዘተ ከምርሕ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0