ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 20 June 2019
ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምክያድ ብዕለት 19 ሰነ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተራኸቡ ወዓዊ ልሳን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ።

ክልቲኦም ወገናት፣ ልክዕ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝጀመረ ሓድሽ ዝምድና መንግስቲ ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ኢሰያስን፣ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ክግምግሙ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

ፕረዚደንት ኢሰያስ፣ ንሚኒስተራቱ እውን ከየማኸረ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳኔ ዝጀመረ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ተኸቲሙ ዘሎ ውዕላት ዝርዝር ትሕዝቶኡ ንህዝቢ ኤርትራ ገና ብወግዒ ኣይተሓበረን ዘሎ።

እዚ ምስጢራዊ ስምምዓት ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ በብእዋኑ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ላዕለዎት ሓለፍትን ካድራትን እቲ መንግስቲ ንህዝቢ ኣኪቦም ኣብ ዝህብዎ ዝነበሩ መብርሂታት እውን፣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ወላሓንቲ ኣፍልጦ ከምዘይብሎም ዘርኣየ ምንባሩ እዩ ዝፍለጥ።

ኣብ 2018 መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዝኽበረሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣብ ዝሃቦ መደረ፣ ንጻውዒት ሰላም ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምቕባሉ ከፍልጥ እንከሎ፣ ምስቲ ረዚን ዕለት ዘይሳነ ንሓደ ክፋል ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምንጻል ‘ጸወታ ተወዲኡ’ ክብል እዩ ተሰሚዑ።

ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብዚ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ምስ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ሰላም ንምህናጽ ሓደ ዓመት እኹል ከምዘይኮነን ገና ብዙሕ ጻዕሪ ክካየድ ከምዘለዎን ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፣ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ መልእኽቲ ሰዲዱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መልእኽቱ፣ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምምጻእ ዝኸፈሎም ስዉኣት፣ ሃገር ዳግም ብምህናጽን ብሰላምን ክድብሶም ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0