ልኡኽ ኢጣልያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ‘ትርጉም ኣልቦ’ ክብል ደምዲሙ

ልኡኽ ኢጣልያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ‘ትርጉም ኣልቦ’ ክብል ደምዲሙ

Radio Erena: 09 April 2015

Itadel

ከም መቀጸልታ ናይቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ጽገናዊ ለውጢ ንምትእትታው ዝገብሮ ዘሎ ሓድሽ ጻዕርታት፣ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስትን ብምርኻብ ሰፊሕ ዝርርብ ከምዘካየደ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ንሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቲ ብሓለፍቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ክፍሊ ኣፍሪቃ፣ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ጉዳይ ስደተኛታትን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢጣልያ፣ ኣብቲ ካብ 24 ክሳብ 26 መጋቢት ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ዑደት ብፍላይ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ኣብ ሰለስተ ዓብይቲ ነጥብታት ብምትኳር ዓሙቕ ምምይጥ ከምዘካየደ እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።

 

እቲ ልኡኽ ኣብ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ፣ ክልተኣዊ ዝምድናን ልምዓታዊ ምትሕግጋዝን ከምኡ ድማ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታትን ብዝምልከት ኣብ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ዝርርብ፣ ዘተባብዕ ውጽኢት ከምዘይረኸበሉ’ውን ደምዲሙ ኣሎ።

ክቡራት ተኸታተልትና ዝርዝር ናይዚ ወኪል መንግስቲ ኢጣልያ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣማኻሪኡ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዘካየዶ ሰፊሕ ምይይጥ በጺሑና ኣሎ። እቲ ልኡኽ ኣብ ጉዳይ ደሞክራሲን ምርጫን፣ ኩነታት ናይ ፖለቲካ እሱራት፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ዝምለሰሉ መንገዲን ካልእን ብዝምልከት ዘልዓሎ ነጥብታትን ካብ ፕረዚደንትን ኣማኻሪኡን ዝተዋህቦ መልሲን ዝሓቖፈ ጽሟቕ ትሕትቶ ጽባሕ ከነቕርቦ ኢና።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0