“ልኡኽ ህግደፍ’ዮም” ዝብሃሉ ኣቡነ ሉቃስ፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ መርበባት ዜና፣ ዝዝርግሕኦ ዘለዋ ሓበሬታ ስግኣት ከም ዘሕደረሎም ዝእንፍት መግለጺ ዘርጊሖም

Radio Erena: 24 April 2019

“ልኡኽ ህግደፍ’ዮም” ዝብሃሉ ኣቡነ ሉቃስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝርከባ ናይ ኤርትራ ማዕከናት ዜና ንዝውሕዝ ዘሎ ሓበሬታ ዘሕደረሎም ስግኣት ዝእንፍት መግለጺ ዘርጊሖም።

እቶም ቀንዲ መሳርሒ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ምዃኖም ዝንገረሎም ጳጳስ፣ ኣብቲ ትማሊ 23 ሚያዝያ ብስም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝዘርግሕዎ መግለጺ፣ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣንጻር ሓድነት እታ ቤት ክርስትያን ክፍኖ ዝቐነየን ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለዎን ናይ ሓሶት ዘመተ’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ኣገልገልትን ህዝበ ክርስትያንን ግጉይ መረዳእታ ምእንቲ ከይሕዙ፣ ቅዱስ ሲኖዶስ ብመርትዖ ዝተሰነየ ንጹር ዝርዝራዊ መግለጺ ክህብ ምዃኑ ጠቒሶም።

ንሶም ነዚ መግለጺ ዝዝርግሑ ዘለዉ፣ ድሕሪ ምትእትታው ህግደፍን ማእሰርቲ ፓትርያርክ፣ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስን፣ ካብታ ናይ ህግደፍ ቤተርክርስትያን ተፈልያ፣ ኣብ ስደት ዝቆመት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያ፣ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬትኣ tewahdo.org፣ ምስጢራዊ ርክባት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኤርትራን ልኡኻቶም ዝኾኑ ጳጳሳትን ብቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሓ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ እታ ናይ ስደት ቤተ ክርስትያን፣ ን13 ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ዝርከቡ፣ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ንህዝቢ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ’ውን ዘርጊሓ’ያ።

94 ዓመት ዝዕድሚኦም፣ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮንስ፣ ካብቲ ናይ ገዛ ማእሰርቶም ንህዝቢ ኣብ ዘመሓለለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብታ ቤተክርስትያን ዝተኻየደ ምትእትታው ብምቕዋሞም መጀመርያ ናይቲ ኩሉ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ምስ መንግስቲ ዝወገኑ ጳጳሳት ዝፈጸምዎን ዝፍጽምዎ ዘለዉን ካብ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ዝኾነ ስርዓት፣ ነታ ቤተ ክርስትያን ጥራያ ኣትሪፉዋ ከምዘሎ ብዝርዝር ኣቓሊዖም’ዮም።

እዚ ንሶም ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ድማ፣ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተሰማዕነት ኣሕዲሩ ከምዘሎን፣ ምትእትታው ህግደፍን ልኡኻቱ ዝኾኑ ጳጳሳትን ዝገብርዎ ዘለዉ ግፍዒታት ብምቅልዑን ድማ’ዮም ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣቡነ ሉቃስ፣ መግለጺ ዘርጊሖም ዘለው።

እቶም ኣቡን፣ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኤርትራ ብስሞም ክዝርግሕዎ ብዘሃብዎም ትእዛዝ ነዚ መግለጺ ከምዝዘርግሕዎ ድማ’ዩ ዝንገር ዘሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 12
  • comment-avatar
    ባህታ ግርማይ 5 years ago

    ንዝተረዶኦ ይቀረ ይበሎ
    ነዚ ህዝቢ ዝወርዶ ዘሎ
    ነቲ ኣብቲ ትሕቲ ስራዓት ኮኑ
    መሳርሒ መላኺ ኮኑ ዘገልግል ዘሎ
    ኣብ በተክርስታን ተዋሃዶ ኤረትራ
    ይቅረ ጥራይ ዩ: ዘድሕኖ ደጊም
    ናብ ምዕፋርን ምክታዕን ተቀጺሎም ግን
    ህዝቢ ከም ዝውግዞም ክርዶኦም ኣለዎም።

  • comment-avatar

    ኣብ ሕማማት ኢልኩም ካብ ስጋ ምብላዕ እትሕረሙ ስጋ ቁዱሳን እተበስብሱ ፓትሪያሊክ ካብ እትሕይሩ ምሕረት ዘይትገብሩ ዓርዑቶም ዘይትሰብሩ ብሰላም ዘይትለቅዎም ፍትሒ ዘይትህብዎም
    ቤተይ ቤት ጉሓሉት ገይትኩማ ዝብል
    ቤት ኣምላኽ ዘይተጽሪዩ ካብ ህግደፍ ዝብሃል ሕማም ሕማማት ኢና ዘሎና ኣብ ጾም
    ዓደስ እንዳበላዕኩም ደም ህዝቢ እትሰቲዩ ስጋ ሰብ እትበልዑ ምሕረት ቅንዕና ሓቂ ፍትሒ ዘይፈልጡ ሲናዶስ

  • comment-avatar
    ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ 5 years ago

    ቤተ ክርስቲያን ልዕሊ መጽሓፍ ቅዱስ ካልእ መምርሒ የብላን፡ ኣባ ሉቃስ ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከገልግሉ ኢሎም ኢዮም ምሒሎም ጥሒሎም፡ ፈላሲ ኰይኖም። ይኹን እምበር፡ “ፈላሲ ከይወልድ ይምንኩስ፡ ከይጸድቅ ይሕልክስ” ከም ዝተባህለ፡ ኣባ ሉቃስ ስለ ዝሓልከሱ፡ ነቲ ከገልግሎ ኢየ ኢሎም ብህይወቶም ዝመሓልሉ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብልኡኻቶም ገይሮም ምስ ኣንድድዎ። ኣብ ካሊፎርንያ መጺኦም ድማ፡ “ኣዴታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኰናን ኣንዲደን፡ መጽሓፍ ርኹስ ኢየን ኣንዲደን” ኢሎም፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ርኹስ ምስ በልዎ፡ ሽዑ ኢዮም ንባዕሎም ረኺሶም ንቤተ ክርስቲያን ዘርከስዋ። እንተዘይ ኰነ፡ ንመዓርግ ጰጰስና ዘብቅዓካ ኣቦኻዶ ትኸሶ ኰንካ፡ ነቦኻ “ተሓድሶ” ኢልካ ምኽሳስከ ንባዕልኻ ብተሓድሶ ስለ ዝተቀባእካ ተሓድሶዶ ኣይገብረካን፧
    ይሁዳ ንጐይትኡ ብጠቕሚ ኣሕሊፉ ብምሃቡ ዓስቡ ሲኦል ኰይኑ ተረኽበ። ሕጂ ድማ ዳግማይ ይሁዳ ነብኡ ዝሸይጥ ብረብሓ ዝሸይጥ ካብ ተረኽበ፡ ቅድም ህዝቢ ኤርትራ ዓገብ ክብል ይግብኦ። እንተዘይ በለ ድማ፡ ንገዛእ ርእሱ እንድኣሉ ሰላም ዝስእን።

  • comment-avatar
    meron 5 years ago

    God exist! enough enough enough God exist!

  • comment-avatar
    TUMZGI YOHANNES 5 years ago

    Abune luqas nbetechristiana bhasot ketemehadrwa dhri mftankum egziabiher gn ab adebabay akaliekum kbri namlakna ykuno.
    1, mengsti ab betekrstiana ed yeblun elkumna entekone gn ABRAHA KASA akibu kezzekum kolo neesmewo endabelkum tesemiekum.
    2, abune Entenios tehadso konom elkum entekone sinodos teakibu bzaeba khdetom guguy tmhrtimn aseman,gega tmhrti sele zey blom PATRIARIK ktshomu akealkumn, kab hgi ndhar asadadi betekrstiana dember kem abo anfeltekumn ena TENESHU.

  • comment-avatar

    Nay dimocrasiyawi lewti AB Sweden ziena abey alo

  • comment-avatar
    ገባር ሰላማዊ 5 years ago

    ቀደም ኢሰፓ ሕጂ ከኣ ህ.ግ.ደ.ፍ ፍርሓት ኣምላክ ዘይብሎም ኣቦ.ፈጣሪ ይቅረ ይበለልኩም

  • comment-avatar
    Habte 5 years ago

    Iza betekrstian izia btarik bfrhate igziabiher zmelales,gerri, rebHa zeiTmt amani hizbi iyu zelewA. InteMerahta gn kem bAal aba Lucas zAmeselu armaan, kHaddti, hasowti bmquanom dewinoma yrkebu. Igziabiher awatzoo yhaba.

  • comment-avatar
    habte 5 years ago

    zTEregme abun. Yuhuda iyu.

  • comment-avatar
    ሃይለ ተስፋይ 5 years ago

    እዚ ጉዳይ እዚ ነቦና ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ወጻኢ ዘለና ብሰሪ ናይ ህግደፍ ኣብ ቤትክርስትያናት ዝገብሮ ምትእቲታው ነንሕድሕድና ኣናቑትና ኣሎ። ካብ ሃገር ነከልግሉና ዘምጻእናዮም ካህናት ሓዊ ኣጉዶምልና ኣለዉ።እቲ ሃገረ ስብከት ኣብ ሰምየን ኣመሪካ ዘሎ ናይ ህግደፍ ቅዳሕ እዩ። ብሽም ሃይማኖት ናይ ህግደፍ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።
    ህግደፍ ዝኣጐዶ ሓዊ ህግደፍ ከጥፍኦ ኣለዎ።ኩሎም ካህናት ንሽሙ እዮም መስቀል ሕጆም ዝዘሩ ስረሖም ካልእ እዩ ዘሎ ኣብእዚ እዋን እዚ።እየሱስ ክሪስቶስ ምሕረቱ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ክልእኽ ንልምን።
    ሩሑስ ልደት ይግበረልና።

  • comment-avatar
    Indrias 5 years ago

    Ageb Merahti ortodocs Eritrea ,Amenti mekakilkum alokum ,neza kdst Betekirstian bi mexehaf kidus enber bi kadretat higdef mexehaf aytemehadrua,,,ageb ageb ,,,,betyese ytsemei bete xelot woantumuh reseykumu bete misyat wo bete higdef ,,,abona hiji yfethu 94 years old,,,woow enberdo merahti alewuwa eza kidst betna ,,,,,

  • comment-avatar

    ዓገብ!! ንነኣሽቱ ውሉድኹም መርዚ ኣይትግደፍ። ☦︎︎ፓፓስ/𐦐ኣቦና✞ኣንጠንዮስ♡︎❤︎︎☆ ሓቂ ተዛሪቦም” ግፍዕን፣ ጸለመን ኣብ ልዕሊኦም ወሪዱ ነዛ ዓለም ተፈልዮም ኣለዉ። ስለዚ ብህጹጽ ፓሎቲካ ካብ እምነታት ኽሰሓብ ብትሕና ንእውጅ!! ነዛ ሓጻር ዕምሪ ናብ ንስሓ ክንምለስ እግዚኣብሔር ምሕረት የዉርደልና🙏።