ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ጅቡትን ሱዳንን ዘትዮም

ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ጅቡትን ሱዳንን ዘትዮም

Radio Erena: 20 May 2016

Dj Su

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ጅቡቲ ኣብ ሱዳን ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ብምክትል ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ብርጋዴር ጀነራል ጣህር ዓሊ ማሕሙድ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ልኡኽ ጅቡቲ፣ ኣብቲ ብሰኑይ 16 ግንቦት ዘካየዶ ዑደት፣ ኣብ መንጎ ሃገሩን ሱዳንን ብዛዕባ ዝህሉ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ብዝምልከት ምስ ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ሱዳን ዘትዩ።

ካብ ሚኒስተር ምክልኻል ጅቡቲ ሓሰን ድራር ዝተላእከ ደብዳቤ’ውን ናብ ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ሌተናንት ጀነራል ዓዋድ መሓመድ ኣሕመድ ኢብኒ ዖፍ ኣረኪቡ።

 

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ጅቡትን ሱዳንን ብዶብ ይኹን ክሊ ማይ ዘይራኸባ ሃገራት ‘የን።

ክልቲኤን ሃገራት ኣባላት እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተጠርነፈ ወትሃደራዊ ኪዳን ሃገራት እስላም ምዃነን’ውን ይፍለጥ።

ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ጅቡቲ ብ28 ሚያዝያ ምስ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ዝርርብ ከምዘካየዱ ኣይርሳዕን።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0