ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣንን ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ዘትዮም

ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣንን ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ዘትዮም

Radio Erena: 27 July 2016

Amabun

ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ህሉው ወትሃደራውያን ጸጥታውን ኩነታት ዘተኮረ ዘተ ኣካይዶም።

ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ሌተናት ጀነራል ዒማድ ኣል ዲን ሙስጠፋ ዓዳዊ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ሱዳን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምፍጻም፣ ምስ ስዑዳዊ መዘንኡ ሌተናት ጀነራል ዓብዱራሕማን ቢን ሳልሕ ኣል ቡንያ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን’ዩ እቲ ዘተ ተኻይዱ።

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ በዓል ስልጣን ሱዳን ብዛዕባ ህሉው ወትሃደራዊ ኩነታትን ጸጥታን ንምዝታይ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዘምርሐ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብዘቕረበቶ ዕድመ መሰረት ምዃኑ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

 

ሱዳን ኣብ ጎኒ ስዑዲ ዓረብ ብምስላፍ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራዊታ ናብ የመን ኣዋፊራ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።

ብዘይካ’ዚውን ስዕዲ ዓረብን ሱዳንን ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ንምትሕግጋዝ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓያሎ ስምምዓት ከምዝኸተማ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ ብዘይካ’ዚ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ እትገብሮ ዘላ ምትሕግጋዝ፣ ካብ ሱዳን ን99 ዓመታት ዝጸንሕ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ብኽራይ ንምውናኑ’ውን ስምምዕ ከምዝኸተመት ኣይርሳዕን።

እቲ ስዑዲ ዓረብ ን99 ዓመታት ክትውንኖ ተሰማሚዓትሉ ዘላ ሰፊሕ መሬት ምብራቕ ሱዳን፣ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ።

ኣብ ካልእ ናይ ሱዳን ዜና፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብዛዕባ ምዕባለታት መስርሕ ሰላም ሃገሩ ብዝምልከት ናብ ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ደብዳቤ ልኢኹ።

ነቲ ደብዳቤ ብ22 ሓምለ ናብ ኣሚር ቀጠር ዘብጽሐ፣ ጠቕላሊ ሚኒስተር ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ጀነራል ጣሃ ዑስማን ሓሰን’ዩ።

ኣሚር ቀጠር ምስ ፕረዚደንት ቻድ እድሪስ ደቢ ብሓባር፣ ኣብ ዞባ ዳርፉር ክበጽሑ መደብ ተታሒዝሎም እኳ እንተነበረ፣ ዑደት እዞም መራሕቲ ናብቲ ዞባ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ተሰሪዙ’ዩ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ተመዲቡ ዝነበረ ምብጻሕ ኣሚር ቀጠርን ፕረዚደንት ቻድን ናብ ሰሜናዊ ዳርፉር፣ ናብ ካልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ ርእሰ ምምሕዳር ሰሜናዊ ዳርፉር፣ ጠንቒ ምስግጋር እቲ ዑደት ኣይገለጸን።

ሱዳን ትሪቡን ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት ግና፣ ዑደት እዞም መራሕቲ ናብ ዳርፉር ብሰንኪ ሃንደበታዊ ምብጻሕ ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ዝተተሓሓዘ ክኸውን ከምዝኽእል ይእምት።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0