ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሩስያን ኣመሪካን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ይጓየዩ

Radio Erena: 26 January 2023

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሰርጌ ላቭሮቭ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሩስያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ እትርከበን ሃገራት እቲ ዞባ ዑደት የካይድ ኣሎ።

እቲ ሚኒስተር፣ ብ23 ጥሪ ናብ ፕሪቶርያ ድሕሪ ምእታው፣ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት መዘንኡ፣ ናለዲ ፓንዶ ብምርኻብ፣ ብዛዕባ’ቲ ዝመጽእ ወርሒ ዝካየድ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድን ምዕባይ ዝምድናታትን ብዝምልከት ዘትዩ።

ኣብቲ ካብ 17 ክሳብ 27 ለካቲት፣ ኣብ ገማግም ደርባንን ሪቻርድ በይን ዝካየድ፣ ግዙፍ ወትሃደራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ፣ ሩስያ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ክሳተፋ ምዃነን ሚኒስትሪ ምክልልኻል እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

ምስ ሃገራት ምዕራብ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ንሩስያ ብጉዳይ ዩክሬይን ኣብ ርእሲ ዘይምዅናና፣ ዝመጽእ ወርሒ፣ ን10 መዓልታት ምስ ቻይና ንዝካየድ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ፣ ክሊ ማያ ምፍቃዳ፣ ኣመሪካ ንዝመራሒተን ሃገራት ምዕራብ ኣስጊኡወን ኣሎ።

ኣመሪካ፣ ድሕሪ ዑደት ላዕለዋይ ልኡኽ ሩስያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብጸሓፊት ክፍሊ ግምጃ፣ ዣነት የለን (Janet Yellen) ዝምራሕ ላዕዋይ ልኡኽ ናብታ ሃገር ሰዲዳ ኣላ።

እታ ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ እትጸንሓሉ፣ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ክጉሰዩ ዝጸንሑ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝልዓለ ኣተኵሮ ክትህቦ’ያ።

ንሳ፣ ብዘይካ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሩስያ ኣተኵራትለን ናብ ዘላ ሰኔጋልን ዛምብያን’ውን ክትበጽሕ’ያ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ብወገኑ፣ ዛጊት ብጽኑር ናይ ዘይተፈልጣ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደቱ ክቕጽል ምዃኑ ተመልኪቱ ኣሎ።

ሩስያ፣ ኣብ ሓምለ 2023፣ ዋዕላ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምክያድ ወዲባ ምህላዋ ይፍለጥ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ መራሒ ናይታ ኣብ ጎኒ ሩስያ ደው ኢላ ዘላ ቤላሩስ፣ ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ፣ ናብ ዚምባብዌ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0