ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሱዳን ናይ ዝርከቡ ስደተኛታት ኩነታት ንምዕዛብ ናብታ ሃገር በጺሑ

Radio Erena: 30 November 2020

ሱዳን፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝተመዛብሉ ልዕሊ 10ታት ኣሽሓት ሓደስቲ ስደተኛታት ንምትእንጋድ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፣ ላዕለዋይ ኮሚሽነ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዳ ናብታ ሃገር ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ብ27 ሕዳር ናብ ካርቱም ኣብ ዘምርሓሉ፣ ሓደ ሓደ መዓስከራት ስደተኛታት ብምጻሕ ኩነታት እቶም ሓተቲ ዑቕባ ተዓዚቡ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምሕታት ዑቕባን ስደተኛታት ዝእለይሉ ኣገባባትን ብዝምልከት ምስ ወከልቲ እቲ ኣህጉራዊ ትካልን ሰበ ስልጣን ሱዳንን ተመያይጡ።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ተዓቝቦም ይርከቡ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ፣ ካብ ኵናት ትግራይ ዝሃደሙ ኣስታት 43 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ተጸንቢሮሞም ኣለው።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ካብ ኩነታት ናይቶም ኣብ ሱዳን ዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ ብዝያዳ፣ ኩነታት ናይቶም ኣብ ክልል ትግራይ ብዘይኣላዩ ተሪፎም ዘለዉ ኣስታት 90 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘሻቐሎ’ዩ ዝገልጽ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0