ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰላት ንመጀመርያ እዋኑ ናብ ሱዳን በጺሑ

Radio Erena: 14 November 2022

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰላት፣ ቮልከር ቱዩርክ፣ ንመጀመርያ እዋኑ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር፣ ኣብቲ ካብ 13 ክሳብ 16 ሕዳር ኣብ ሱዳን ዘካይዶ ዘሎ ምብጻሕ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ኣል ቡርሃን ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ብምትኳር ክዝቲ’ዩ።

ንሱ፣ ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ዝነጥፉ ምንቅስቓሳትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ሱዳን ብምርኻብ ኣብ ህሉው ኩነታት እታ ሃገር ክዘራረብ ‘ዩ።

ኣብ ሰሜናዊ ዳርፉር ዑደት ከካይድ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኮሚሽነር ቱዩርክ፣ ብሰንኪ ግጭት ካብ መነባብሮም ምስ ዝተመዛበሉ ነበርቲ እቲ ዞባ ብኣካል ተረኺቡ፣ ኩነታቶም ክዕዘብ ምዃኑ ቤት ጽሕፈቱ ሓቢሩ።

ሱዳን፣ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት በሺር ኣብ 2019’ውን እንተኾነ፣ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ ምሰላት ይቕጽል ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ይወቅስ።

እቲ ኣህጉራዊ ውድብ፣ ብፍላይ፣ ኣብ ልዕሊ ‘ቶም ኣንጻር ‘ቲ ዕልዋ ብምክያድ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ኣድማን ተቓውሞን ዘካይዱ ሱዳናውያን፣ ብሓይልታት ጸጥታ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለታት፣ ማእሰርቲን ካልእ ግፍዕታትን ብተደጋጋሚ ክኹንን ጸኒሑ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0