ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግብጺ፣ ን75 ኣባላት ኣሕዋት እስላም ዝነበሩ ናይ ሞት ፍርዲ በዪኑ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግብጺ፣ ን75 ኣባላት ኣሕዋት እስላም ዝነበሩ ናይ ሞት ፍርዲ በዪኑ

Radio Erena: 09 September 2018

egypt courላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግብጺ፣ ን75 ኣባላት ኣሕዋት እስላም ዝነበሩ ናይ ሞት ፍርዲ በዪኑ።

ኣብቲ ብዕለት 8 መስከረም ዝተዋህበ ብይን፣ ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣሕዋት እስላም ከምዝርከብዎም ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብቲ ዝወዓለ መጋባእያ፣ 46 ካልኦት ንሕልፈት ክፍረዱ እንከለዉ፣ 612 ክሱሳት ከኣ ካብ 5 ክሳብ 15 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱዎም።

 

እዞም ብጅምላ ዝተፈርዱ ኣባላት ኣሕዋት እስላም፣ ኣብ 2013 ዝተኻየደ ኣብያ ህዝቢ ዘስዓቦ ሞት ልዕሊ 900 ግብጻውያን እዮም ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ጸኒሖም።

ኣህጉራዊ ተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ነቲ መስርሕ ፍርዲ ‘ውርደት’ ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ ሒደት ሰዓታት ልዕሊ 900 ሰባት ዝተቐትሉሉ ፍጻሜ፣ ሓደ ኣባል ጸጥታ እውን ንፍርዲ ዘይምቕራቡ፣ ስርዓተ ፍርዲ ግብጺ መላገጺ ኮይኑ ከምዘሎ ዘርእይ እዩ ኢሉ።

ኣብቲ ኣብ 2013 ዝተኻየደ ኮፍ ብምባል ጥራይ ዝተኻየደ ኣብያ፣ ልዕሊ 85 ሽሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ክኸውን እንከሎ፣ ብህዝባዊ ምርጫ ፕረዚደንት ተሸይሙ ብዕልዋ ንዝተኣልየ መሓመድ ሞርሲ ንምድጋፍ ዝተገብረ ምንባሩ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0