ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ፣ ንመንግስቲ ሱዳን ኣፍልጦ ከምዘይህብ ገሊጹ

Radio Erena: 15 November 2022

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ ወይ ናዚሪስ፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ግዝያዊ በዓል መዚ ከምዘቖመ ኣግለግሎት ዜና ቱርኪ- ኣናዱሉ ሓቢሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ፣ ድሕሪ’ቲ ብ9 ሕዳር ዘካየዶ ኣኼባ፣ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣብ ካርቱም ዝርከብ መንግስቲ ሱዳን ከምዘውክሎምን ኣፍልጦ ከምዘይህቦን ብምጥቃስ፣ ኣብ ምብራቅ ሱዳን ብህዝቢ ዝተወከለ ግዚያዊ በዓል መዚ ቆይሙ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

እቲ ቆይሙ ዘሎ በዓል መዚ፣ ኣብቲ ዞባ ንዝርከባ ትካላት መንግስቲ ናይ ምምሕዳርን፣ ጸጥጣ ንምውሓስ ድማ ፖሊስን ሰራዊትን ከቕውምን በናዊ ስልጣን ከምዘለዎ ‘ዩ ገሊጹ።

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ሲዳን፣ ብዛዕባ ውሳኔ ቤጃ ናዚሪስ ምብራቕ ሱዳን ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበን።

በቲ ቤት ምኽሪ ዝምራሕ ምንቅስቓስ ህዝቢ ቤጃ፣ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ኣብ ጁባ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ሱዳን፣ ‘ኣይውክለናን’ዩ’ ብምባል ክስረዝ ‘ዩ ዝጠልብ።

እቲ ጠለብ’ዚን ካልእ ጉዳያት ፖለቲካን ዞባ ምብራቕ ሱዳን ቆላሕታ መንግስቲ ሱዳን ክረክብ ብምጽዋዕ ተደጋጋሚ እዋን ንወደብት ፖርት ሱዳንንን ካብን ናብን ዘራኽብ ኣውራ መንገድታትን ናይ ምዕጻው ተደጋጋሚ ኣድማታት ኣካይዶም።

ቤጃ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዝዳወብ ከባቢታት ምብራቕ ሱዳን ዝርከብ ብሄር ኮይኑ፣ ኣብ ትሕትኡ ሓያሎ ቀቢላታት ዝሓቖፈ’ዩ።

ቀቢላታት ቤጃ ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ ኤርትራ ከካይድዎ ዝወጠኑ ዋዕላ ዝሓለፈ ዓመት ብመንግስቲ ሱዳን ከምዝተኣገደን፣ ኣብቲ ኣኼባ ንምስታፍ ናብ ኤርትራ ዝነቐሉ ሱዳናውያን’ውን ኣብ ዶባት ብሰራዊት ከምዝተዓግቱን ናብ ቦቦቶም ከምዝተመልሱን ይዝከር።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0