ላዕለዋይ ልኡኽ እስራኤል፣ ኣብ ሱዳን ምስጢራዊ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 22 October 2020

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብ ሱዳን ምስጢራዊ ዑደት ከምዘካየደ ምንጭታት ዜና ካብ ዮርሳሌም ሓቢረን።

ብመሰረት እተን ምንጭታት ዘቕርብዎ ዘለዋ ሓበሬታ፣ ቅድሚ’ቲ ኣመሪካ ንሱዳን ካብ መዝገብ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ምስራዛ፣ መንንቶም ዘይተገልጸ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እስራኤል ዝጸዓነት ነፋሪት፣ ካብ ቴልኣቪቭ ተበጊሳ ናብ ካርቱም ኣምሪሓ።

ዕላማ እቲ ምስጢራዊ ዑደት እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ብዛዕባ እቲ ምስ ሱዳን ክምስረት ዝድለ ዘሎ ዝምድና ዘተኮረ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣሚቶም።

ኣመሪካ፣ ንሱዳን ካብ መዝገብ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ምስራዛን፣ ኣብ ልዕሊኣ ኣጽኒዓቶ ዘላ እገዳ ድማ ምልዓላን፣ ናይቲ ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ዝርከብ ኤምባሲታት ኣመሪካ ኣብ 1998 ዝተፈጸም መጥቓዕቲ፣ ንግዳያት 335 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክትከፍልን ምስ እስራኤል ድማ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትምስርትን ዝቕስብ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ሱዳን፣ እቲ ዝተሓተተቶ ካሕሳ ከምዝኸፈለትን፣ ኣመሪካ ድማ ካብ መዝገብ ሽበራ ዝምውላ ሃገራት ከምእትስርዛን እኳ እንተተገልጸ፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ እስራኤል ዝምድና ምምስራት ዝብል ነጥቢ ግና ካብ ኩሎም ወገናት ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ይኹን’ምበር ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፣ ዝምድና ከምዝገበራ ብወግዒ ክሕብራ ምድላዋት ይግበር ምህላዉ ጽንጽንታ ኣሎ።

እስራኤል ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ባሕሬይንን ዝምድና ድሕሪ ምምስራታ፣ ዝቕጽል ድማ ምስ ስዑዲ ዓረብን ሱዳንን ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ክወሃቦ ጸኒሑ’ዩ።።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0