ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፣ ኣብ ሶማል ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካዪዱ

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፣ ኣብ ሶማል ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካዪዱ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣብ ሶማል ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ዝርከቦ ጉጅለ ልኡኽ፣ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቓድሾ ኣብ ዝዓረፈሉ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ኣሕመድ ዓዋድ ከምዝተቐበሎ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ብቀዳም 6 ሚያዝያ ሶማል ዝኣተወ ልኡኽ ኤርትራ፣ ምስ ፕረዚደንት ፋርማጆ ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ዞባዊ ቁጠባዊ ውህደት፣ ከምኡ’ውን ምብጻሕ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ሶማሊላንድ ኣመልኪቶም ከምዝተዘራረቡ ማዕከናት ዜና ሶማል ሓቢረን።

እንተኾነ መንግስታት ክልቲኤን ሃገራት ዝርዝር ትሕዝቶ’ቲ ርክብ ካብ ምሃብ ተቖጢበን ኣለዋ።

ከምዝዝከር እዚ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ብ3 ሚያዝያ ናብ ካይሮ ብምብጻሕ፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ብምርኻብ ብኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝዘተየ ተገሊጹ’ዩ።

ድሕሪ 20 ዓመታት ዳግማይ ዝጽገን ዘሎ ዝምድና ሶማልን ኤርትራን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓጺር ኣዋርሕ ተደጋጋሚ ርክባት ምክያዱን፣ ምብጻሕ ልኡኽ ኤርትራ ናብታ በይናዊ ናጽነት ኣዊጃ ዘላ ሶማሊላንድ ተኸቲሉ ይመጽእ ምስ ምህላዉን፣ ተራ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንታይ’ዩ ክመስል ዝብል ሕቶ የለዓዕል ከምዘሎ፣ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0