ላዕለዋይ ልኡኽ ሕ/ኢ/ዓረብ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ፈጺሙ

ላዕለዋይ ልኡኽ ሕ/ኢ/ዓረብ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 13 April 2018

UAE Sudan

ብሚኒስተር ጸዓት ሱሀይል ኣል ማዝሩኢ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሓሉ ሰለስተ መዓልታት ምስ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ብዛዕባ ዘሎ ምትሕግጋዝ ተዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣል በሽር፣ ምስቲ ልኡኽ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ዝምድና ሃገሩን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ዝልዓለ ደረጅኡ ከምዝርከብ ሓቢሩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣቐዲማ፣ ንቁጠባ ሱዳን ንምብርባር 1.4 ቢልዮን ዶላር ናብ ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ከምዘሰጋገረት ይዝከር።

ሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን፣ ሱዳን ምስ ቀጠር ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ክደፋፍኣኣ ምጽንሐን ይግለጽ።

እንተኾነ፣ ሱዳን እቲ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራትን ቀጠርን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብዘተ ክፍታሕ ከምእትድግፍ ብምርግጋጽ፣ ምስ ቀጠር ዘለዋ ዝምድና ከምዘይትበትኽ ኣነጺራ’ያ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0