ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንኤርትራ ዝገለለ ዑደት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ የካይድ

Radio Erena: 21 May 2019

ላዕለወይቲ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ዝምድናታት ወጻኢን ምክትል ፕረዚደንት ናይቲ ሕብረትን ፈደሪካ ሞገሪኒ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ተካይድ ኣላ።

እዛ ላዕለዎቲ በዓል ስልጣን እትመርሖ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደቱ ብ20 ግንቦት ብሶማልያ’ዩ ጀሚሩ።

ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዑደቱ ብምቕጻል ናብ ኬንያን ጅቡቲን’ዩ ኣምሪሑ።

ነቲ ልኡኽ እትመርሕ ዘላ ፈደሪካ ሞገሪኒ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ናይዘን ሃገራት ኣብ ዝገበረቶ ርክባት፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ናይቲ ዞባን ዝርአ ዘሎ ለውጥታትን ከምኡ ድማ እቲ ሕብረት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍርቃ ንዘለዎ ናይ ምትሕግጋዝ መደባትን ብዝምልከት ተመያይጣ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሮቡዕ 22 ግንቦት ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምብጻሕ፣ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደቱ ክዛዝም ትጽቢት ይግበር።

እቲ ልኡኽ፣ ኣብ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደቱ፣ ንኤርትራ ዝገለለኡ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብተደጋጋሚ ክወቕሶ ጸኒሑ’ዩ።

ሓያሎ ኣባላት ናይዚ ሕብረት፣ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ርክብ ብእወታ ዝጥምትኦ ምዃነን እኳ እንተገለጻ፣ ጠንቂ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ኮይኑ ንዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ግና ይቕጽል ከምዘሎ ይወቕሳ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመታት፣ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ኤርትራ ፈለማ ዝበጽሓሉ እዋን፣ ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ርክብ’ዩ ኔሩ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ለካቲት ናይዚ ዓመት’ዚ ናብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ድሕሪ ምብጽሑ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ካብ ወደባት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያን ዘራኽብ ጽርግያ ንምጽጋን ናይ 20 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ምብርካቱ ይዝከር።

ሕብረት ኤውሮጳ ብዘይካ’ዚ፣ ኤርትራ እትሳተፎ ዋዕላ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ መዲቡ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ስእሊ፣- ፋይል ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0