UPDATED: ሊብያ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቖም ዝርከቡ ልዕሊ 200 ኤርትራውያን፣ ናብ ውሕስቲ ሃገር ክሰጋገሩ ዝጠልብ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 04 March 2021


ኣብ ሊብያ፣ ከተማ ጣራብሎስ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቖም ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ውሕስቲ ሃገር ክሰጋገሩ ዝጠልብ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ልዕሊ 200 ዝተገመቱ ኤርትራውያን፣ ብሓሙስ 04 መጋቢት፣ ኣብ ከተማ ጣራብሎስ፣ ጋርግርሽ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምትእኽካብ ኣብ ዘካይድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ እቲ ትካል መሰል ስደተኛታት ክሕልወሎም ጠሊቦም።

እቶም ኤርትራውያን፣ መብዛሕቶም ብሓይልታት መንግስትን ሚሊሻታትን፣ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ መዝርዓታትን ድጓናታትን ተታሒዞም ዝጸንሑ ኮይኖም፣ ብዘይዝኾነ ውሕስነት፣ ብሃንደበት ናብ ጎደናታት ጣራብሎስ ዝተፈነዉ’ዮም።

ብኻልእ ወገን፡ ካብ ጂቡቲ ናብ የመን ዝሰግሩ ዝነበሩ ኣስታት 20 ስደተኛታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሎም።

ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣስታት 200 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፣ ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ከንጸላልዋ ድሕሪ ምጅማሩ፣ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ፣ ነታ ልዕሊ ዓቕማ ጽዒና ዝነበረ ጃልባ ንምፍዃስ ነቶም 20 ናብ ባሕሪ ከምዝደርበይዎም’ዩ ጸብጻብ ህጉራዊ ትካል ስደትኛታት ዘመልክት።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0