ሊብያ፣ ኣስታት 90 ሓተቲ ዑቕባ ጽዒና ቅድሚ ክልተ ቅነ ዝተበገሰት ጃልባ ደሃያ ጠፊኡ

Radio Erena: 21 February 2020

ኣስታት 90 ሓተቲ ዑቕባ ጽዒና ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሰት ናይ ጎማ ጃልባ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ደሃያ ከምዝጠፍአ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እታ ዝተፈላለዩ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝጸዓነት ጃልባ፣ ብቀዳም 8 ለካቲት ወጋሕታ፣ ካብ ኣል ቕራቡሊ ካብ ዝተባህለ ገማግም ባሕሪ’ያ ተበጊሳ።

ኣልቕራቡሊ፣ ኣስታት 50 ኪሎሜተር ንምብራቕ ካብ ከተማ ጣራብሎስ ርሒቓ፣ ኣባ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ንእሽቶ ገጠር’ያ።

እታ ጃልባ ካብ ዝተበገሰትሉ ክልተ ቅነ እኳ እንተሓለፈ፣ ኣብኣ ዝነበሩ ሓተቲ ዑቕባ ደሃይ ስለዘጥፍኡ ናይ ቀረባ መቕርቦም ኣብ ሻቕሎት ከምዘለው ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሓዝዎም ልዕሊ 1500 ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሊብያ ከምዝመለሱ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ኣፍሊጡ’ዩ።

እንተኾነ፣ እዛ ኣስታት 90 ሓተቲ ዑቕባ ጽዒና ደሃያ ጠፊኡ ዘሎ ጃልባ ተታሒዘን ካብ ዝተመልሳ ምዃነን ዘረጋግጽ ሓበሬታ የለን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0