ሊብያ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ትሪፖሊ ኲናት ይካየድ

Radio Erena: 28 August 2022
ኣብ ሊብያ ክተማ ትሪፖሊ፣ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ወተሃደራውያን ሓይልታት ኲናት ከምዝተኻየደ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
እቲ ብቀዳም 27 ነሓሰ ከምዝተጀመረ ዝተገልጸ ኲናት ኣብ መንጎ’ቶም ንምብራቓዊን ምዕራባዊን ክፋል’ታ ሃገር ተቖጻጺሮም ዘለዉ ሓይልታት ክኸውን እንከሎ፣ ብውሑዱ 12 ሰላማውያን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ካልኦት 87 ከኣ ቆሲሎም ሕክምናዊ ረዲኤት ይግበረሎም ከምዘሎ፣ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣመልኪቱ።
ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሊብያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ እዩ ክካየድ ኔሩዎ። እንተኾነ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ዓብዱል ሓሚድ ደበይባ፣ ነቲ ምርጫ ንዘይተወሰነ እዋን ኣናዊሑዎ። ንምብራቓዊ ሊብያ ዝዕብልል ባይቶ፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ቀዳማይ ሚኒስተር ንፈትሒ ባሻጋ ድሕሪ ምምራጹ፣ ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ወተሃደራውያን ሓይልታት ወጥሪ ሰፊኑ።
እዚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ማእከል ከተማ ዝተወለዐ ግጭት፣ ሰራዊት ባሻጋ፣ ኣብ ልዕሊ ዝጎዓዝ ዝነበረ ቃፍላይ ሰራዊት ደበይባ ተኹሲ ምስ ከፈተ እዩ፣ ብቕጽበት ናብ ምሉእ ኲናት ዓሪጉ።
ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ውልቀ መላኺ ሙዓመር ኣልቐዛፊ፣ ርጉእ መንግስቲ ክትምስርት ኣብ ዘይከኣለት ሊብያ፣ ነቲ ናይ ጸጥታ ሃጓፍ ተጠቒሞም ሓያሎ ንኣሽቱ ሓይልታትን ምልሻታትን፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዜጋታት ሓያሎ ሃገራት ግፍዕን መጭወይትን ከካዪዱ ጸኒሖም እዮም።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0