ሆላንድ፣ ናብ ኤርትራ ዝመላለሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትከታተል ምዃና ተፍልጥ

ሆላንድ፣ ናብ ኤርትራ ዝመላለሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትከታተል ምዃና ተፍልጥ

Radio Erena: 19 July 2016

DJ

መርበባት ሓበሬታ እታ ሃገር ብዘቕርብኦ ዘለዋ ጸብጻብ መሰረት፣ ሚኒስትሪ ድሕነትን ፍትሕን እታ ሃገር ናብ ኤርትራ በጺሖም ንዝምለሱ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ክትታል ከምዘሎ ኣፍሊጠን።

ጸሓፊ ሚኒስተሪ ድሕነትን ፍትሕን ሆላንድ ክላስ ዶሚኒከስ ማርያ ድየኮፍ፣ ብዛዕባ ዕቱብነት እቲ ጉዳይ ኣብ ባይቶ ከምዝተዘተየሉ ኣረጋጊጹ።

እቲ ጸሓፊ፣ “ናብ ኤርትራ በጺሑ ክምለስ ዝኽኣለ፣ ዑቕባ ዘውህብ ምኽንያት የለን፣” ክብል’ውን ገሊጹ።

 

ኤርትራውያን ብብዝሒ ካብ ዝስደዱለን ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ሆላንድ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ፓርላማኣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዓሚቕ ዘተን ክትዕን ብምክያድ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራን በቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ዘሎ ህግደፍ ዝተወደባ ትካላትን ማሕበራትን ክልተ ካብ ሚእቲ ግብሪ ከይእክባን ካልእ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ከየካይድና ብዕቱብ ንምክትታለን ዝብል ዝርከቦ 11 ለበዋታት ብዘይተቓውሞ ከምዘጽደቐ ይፍለጥ።

ስዊዘርላንድ’ውን ኣቐዲማ ናብ ኤርትራ በጺሖም ዝተመልሱ ሸውዓተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ዑቕባ መሰሎም ከምዘሕደገት ይዝከር።

200 ናይ ዝኾኑ ካልኦት’ውን ኣብ ምጽራይ ከምዘላ’ዩ ዝሕበር።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ብኣቶ የማነ ገብርኣብ ተመሪሑ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ህግደፍ ጸብጻብ ንምድላውን ንስልጠናን ካብ ኣስመራ ዝተላእከ ጋዜጠኛ ኤሪ-ቲቪ ሄኖክ ፍረሚካኤል ፣ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ከምዝተረፈ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0