ህግደፍ፣ ንኦርቶዶስክ ንምግምማዕ ዝተጠቕመሉ ናይ ኣውራጃን መናፈቕነትን ሜላ ኣብ ካቶሊክ ክዕወት ስለዘይክኣለ’ዩ፣ ትካላት ብጎነጽ ዝዓጹ ዘሎ ተባሂሉ

Radio Erena: 04 July 2019

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝወስዶ ዘሎ ጎነጽ ዝተሓወሶ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ፣ ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ፣ ብፍላይ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዛግር ኣብ ልዕሊ እትርከብ፣ ብቅድስቲ ኣና እትፍለጥ ክሊኒክ ዝወሰዶ ንብረት ናይ ምፍንቃልን ነቲ ትካል ናይ ምዕጻውን ስጉምቲ፣ ብኣሳእል ተሰንዩ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ድሕሪ ምዝርግሑ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ቁጠዐኦም ብነድሪ ክገልጹ ይስምዑ ኣለዉ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዘን፣ መንግስቲ ክበጽሖ ኣብ ዘይክኣለ ርሑቕ ገጠራት፣ ንኣስታት 30 ዓመታትን ልዕሊኡን ንድኻ ህዝቢ ከገልግላ ዝጸንሓ ትካላት ጥዕና፣ ብጎነጽ ዝዓጽወሉ ዘሎ ምኽኝያት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበሉን።

እንተኾነ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ወገናት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ህግደፍ፣ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ንምግምማዕን ምክፍፋልን ዝተጠቕመሉ ሜላ፣ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን’ውን፣ ብኣውራጃውነትን ካልእን እናወንጀለ ክሰርሓሉ እኳ እንተፈተነ ክዕወት ብዘይምኽእሉ’ዩ፣ ብጎነጽ ናብ ምዕጻው ትካላት ዝጓየ ዘሎ ዝብል ትንታነታት ይህብሉ።

ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ነዚ መንግስቲ ኤርትራ ዝወስዶ ዘሎ ጎነጻዊ ስጉምቲ ዝኹንን ወግዓዊ መግለጺ ከምዝዘርግሑ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0