ህዝቢ ሓዳስ ኮሎደኒ፣ ንኻልኣይ እዋን ኣይፋል ንናጽነት ኣድሚጹ

Radio Erena: 05 October 2020

ሓዳስ ኮሎደኒ፣ ካብ ፈረንሳ ናጻ ክትከውን ዶ ኣይፋል ኣብ ዝብል፣ ህዝባ ትማሊ ሰንበት 4 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ረፈረንዱም፣ እቲ 53.26% ኣካል ፈረንሳ ኮይኑ ክነብር ከምዝደሊ ኣድሚጹ።

እዛ ኣብ ሰለማዊ ውቅያኖስ፣ ምስ ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ብክሊ ማይ ተዋሲና እትነብር ደሴት ሓዳስ ኮለደኒ፣ ካብ 1853 ኣትሒዛ’ያ ኣካል ፈረንሳ ኮይና።

ደቀባት እታ ደሴት፣ ካብ ፈረንሳ ናጻ ንምዃን ከካይድዎ ድሕሪ ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ጎስጓሳት፣ መጻኢ ዕድል እታ ግዝኣት ዝውስን፣ ቅድሚ ክልተ ዓመት ረፈረንዱም ተኻይዱ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ህዝቢ ኣይፋል ንናጽነት ስለዘድመጸ፣ ኣካል ፈረንሳ ኮይና ቀጺላ።

ምናልባት ህዝባ ናይ ምጥዓስ ዕድል መታን ክህልዎ ተባሂሉ ኣብ ዝተሰርዐ ናይ ትማሊ ረፈረንዱም ድማ እቲ ህዝቢ ደጊሙ ፈረንሳዊ ክብሃል ከምዝደሊ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣስታት 284 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ ሓዳስ ኮለደንያ፣ ድሕሪ ክልተ ዓመታት’ውን ተመሳሳሊ ዕድል ክወሃቦ’ዩ።

ኣብ ክሊ ማያት ደቡባዊ ኣፍሪቃ፣ ላቲን ኣመሪካን ሰለማዊ ውቅያኖስን ዝርከባ ግዝኣት ፈረንሳ ዝኾና ሓያሎ ደሴታት፣ ናጽነት ዶ ኣይፋል ኣብ ዝብል፣ በብእዋኑ ኣብ ዘካየድኦ ረፈረንዱም፣ ኩለን ኣካል ፈረንሳ ኮይነን ክቕጽላ ከምዝደልያ’የን ኣረጋጊጸን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0