‘ህወሓት፣ 22 ግዝያዊ ኣመሓደርቲ ክልል ትግራይ ቀቲሉ’ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ

Radio Erena: 26 May 2021

ህወሓት፣ 22 ግዝያዊ ኣመሓደርቲ ክልል ትግራይ ቀቲሉ ክብል፣ ብመንግስቲ ንዝተመዘዘ ኣጻራዩ ሓበሬታ ህጹጽ እዋን ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ገሊጹ።

‘ትርፍራፍ ናይ ዝተበተነ ህወሓት’ ዝበሎም እቲ መግለጺ ብዘይካ’ዚ፣ 20 ኣመሓደርቲ ክልል ትግራይ ከምዝሓዙን፣ ንኣርባዕተ ድማ ከምዘቑሰሉን ጠቒሱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዚ ክሲ ዘቕርብ ዘሎ፣ ሓይልታቱ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን፣ ኣብ ከባቢ ሽረ፣ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቖቢ፣ ብሰንኪ ኵናት ዝመተዛበሉ ኣማኢት ተወላዶ ትግራይ ከምዝኣሰሩ ኣብ ዝውቐሰሉ ዘሎ እዋን’ዩ ።

ኵናት ትግራይ ኣብ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ሳልሳይ ሰሙኑ፣ እቲ ኵናት ከምዝተዛዘመ’ዩ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ኵናት ሻድሻይ ወርሑ ኣብ ዝመልኣሉ፣ ኵናት ትግራይ፣ ብቀሊሉ ዘይዓርፍን ኣሸጋሪ ምዃኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንባይቶ እታ ሃገር ኣመልኪቱ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት፣ ብኵናት ከምዘይፍታሕ ዝገልጻ ኣመሪካን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ብወገነን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ክዘራረብ ጸቕጢ ይገብራ ኣለዋ።

ክልቲኦም ወገናት ንምቕርራብ መታን ክከኣል ድማ፣ ከም ቀዳማይ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ብምባል ዘስምራሉ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና፣ ምስቲ ‘ኣሸባሪ’ ክብል ዝገልጾ ህወሓት ከምዘይዘራረብ ብምጥቃ፣ ሓያላን ሃገራት ኢዱ ብምጥዋይ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ከስገድድኦ ምፍታነን ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ ተቓዊሙ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0