ህንዲ፣ ኤርትራ እትርከበን 41 ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ባሕሪ ክሳተፋ ዓዲማ

Radio Erena: 27 November 2019

ህንዲ፣ ኤርትራ እትርከበን 41 ሃገራት፣ ኣብ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ባሕሪ ክሳተፋ ዕድመ ከምዘቕረበት፣ ንሚኒስተር ዴ ‘ታ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሺርፓድ ናኢክ ብምጥቃስ መርበባት ሓበሬታ ሂንዲ ሓቢረን።

እተን ሃገራት ንክሊ ማያት ኤስያ፣ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዝወከላ ምዃነን ዝሓበረ እቲ ሚኒስትየር ዴ’ ታ፣ እቲ ልምምድ ኣብ መጋቢት 2020 ክካየድ ተወጢኑ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ካብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲን ሶማልን ክሳተፋ ተዓዲመን ኣለዋ።

ዝበዝሓ ካብተን ዕዱማት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ክኾና እንከለዋ፣ ካብ ኤውሮጳ ዕድመ ዝቐረበለን ሃገራት ፈረንሳን ብሪጣንያን ጥራይ’የን።

እዘን ህንዲ ኣብ ዘዳለወቶ፣ ሚላን 2020 ዝተሰምየ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ክሳተፋ ዕድመ ቀሪቡለን ዘሎ ኤርትራ እትርከበን 41 ሃገራት፣ ዝሃብኦ መልሲ ኣይተሓበረን።

ኤርትራ፣ ኣብ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ሓበራዊ ወትሃደራዊ ልምምድታ ከምዘይትሳተፍ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0