ህንዲ፣ ንፕረዚደንት ጅቡቲ ዝልዓለ ናይ ክብሪ ማዳልያ ሸሊማ

ህንዲ፣ ንፕረዚደንት ጅቡቲ ዝልዓለ ናይ ክብሪ ማዳልያ ሸሊማ

Radio Erena: 28 January 2019

መንግስቲ ህንዲ፣ ንፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ዝልዓለ ናይ ክብሪ ማዳልያ ከምዝሸለሞ ማዕከናት ዜና ህንዲ ሓቢረን።

እቲ “ፓዳማ ቪብሁሻን” ዝተሰምየ፣ ኣብ ረብሓ ህንዲ ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ በርጌስ ዝወሃብ፣ ሽልማት፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ንፕረዚደንት ጅቡቲ ዝሃበሉ ምኽንያት፣ ኣብ መንጎ ሃገሩን ህንዲን እናሰፍሐ ንዝመጽእ ዘሎ ዝምድና ኣብ ምዕባይ ብዝገበሮ ጻዕሪ’ዩ።

መራሕቲ ጅቡቲን ህንድን ድሕሪ ዘካየድዎ ርክባት፣ ህንዲ፣ ኣብ ጅቡቲ ኤምባሲ ንምኽፋት ክትውስን እነከላ፣ ኣብ ወትሃደራዊን ንግዳውን ዝምድናታታት ንምስፋሕ’ውን መደባት ከምዘለዋ’ዩ ይጠቀስ።

ህንዲ፣ ምስ ጃፓን ብምዃን፣ ንምስፍሕፋሕ ቻይና ኣብ ጅቡቲ ንምግጣም ስትራቴጂ ከምዝሓንጸጻ’ውን ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ቻይና፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ሓያል ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ህንጻን ካልእን እተካይዶ ዘላ ወፍርታት፣ ኣብ ጅቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ከፊታ ከምዘላ ይፍለጥ።

ህንዲ ድማ ነዚ ናይ ቻይና ምስፍሕፋሕ ንምሽማው ዝዓለመ፣ ዋዕላ ህንድን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ዓመት ምክያዳ ኣይርሳዕን።

ኣብቲ ዋዕላ ናይ ክብሪ ዕዱማት ካብ ዝነበሩ መራሒ ሓደ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0