ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ኣብ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ጽርግያ፡ ቀዳማይ ብምውጻእ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኮይኑ

Radio Erena: 14 February 2023

ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ትማሊ ሰኑይ 13 የካቲት፡ ኣብ ኣክራ ርእሰ ከተማ ሃገረ ጋና ኣብ ዝተሰላሰለ፡ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ጽርግያ፡ ቀዳማይ ብምውጻእ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኮይኑ።

ምስ ኢጣልያዊት ፕሮኮንቲነንታል ቲም Green Project-Bardian ዝቐዳደም ወዲ 23 ዓመት ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ተኣኪባ ንዝመጸት ጉጅለ ብሽኳ ብምስዓር’ዩ ነዚ ረዚን ዘውዲ ዓወት ደፊኡ።

ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ክሮኖሜትር ውልቂ፡ ሳልሳይ ብምውጽእ ነሓስ ሜዳልያ ዝተሸለመ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ነዚ ውድድር ተዓዊትሉ ብምንባሩ፡ ንኻልኣይ ዓመት ኣከታቲሉ እዩ፡ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኸውን ዘሎ።

ኣብ ታሪኽ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ንክልተ ዓመታት ኣከታቲሉ ብምዕዋት ኣብ መዝገብ ታሪኽ ሰፊሩ ዝጸንሐ እንኮ ተቐዳዳማይ፡ ኣብ 2011 ከምኡ’ውን 2012 ጋማ ሻምፕዮን ዝኣሰረ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ እዩ።

ኤርትራዊ ተስፎም ዑቕባማርያም’ውን ብምክትታል ኣይኹን ደኣ’ምበር፡ ኣብ 2013 ከምኡ’ውን 2016 ሻምፕዮን ኣፍሪቓ ንምዃን በቒዑ እዩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0