ሃ/ጋ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ደቂ ተባዕትዮ ኤርትራ፣  ብናይ ግዜ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኮይና

ሃ/ጋ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ደቂ ተባዕትዮ ኤርትራ፣ ብናይ ግዜ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኮይና

Radio Erena: 22 february 2016

Eritrea

ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ብሽክለታ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፣ ናይ ደቂተባዕትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ብውድድር ግዜ ቀዳመይቲ ተዓዊታ።

ንተቐዳደምቲ ተስፎም ዑ/ማርያም፡ መኽሰብ ደበሳይ፡ ኤልያስ ኣፈወርቂን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሔርን ኣሰሊፋ ኣብዚ ቅድድም ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ፣ ኣብ ናይ ግዜ ውድድር ንኣልጀርያን ሞሮኮን በሊጻ’ያ ተሸላሚት ወርቂ ማዳልያ ኮይና ዘላ።

ኣብ ናይ ደቂንስትዮ’ውን ንወሓዚት ኪዳነ፡ ሞሳና ደበሳይ፡ ዮውሃና ዳዊትን ወጋሕታ ገብርሂወትን ሒዛ ኣብ ሞሮኮ ናብ ዝተኣንገደ ቅድድም ብሽክለታ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ዘምርሐት ኤርትራ፣ ብደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ተበሊጻ ሳልሳይ ደረጃ ምሓዛ ጸብጻባት ስፖርት ሓቢሮም።

 

ካብ 12 ኣትሒዙ ኣብ ሞሮኮ ከተማታት ካዛብላንካን በንሲሊማን ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 11 ቅድድም ብሽክለታ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 30 ሃገራት ይሳተፋ ምህላወን ይፍለጥ።
ቅድድም ብሽክለታ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣብ 26 ለካቲት ብወግዒ ክዛዘም’ዩ።
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0