‘ሃገራት ኣፍሪቃ ንሩስያ ምድጋፈን ዝረኽብኦ ረብሓ የለን።’ ፕረዚደንት ዩክሬይን

Radio Erena: 08 August 2022

ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንሩስያ ምድጋፈን ዝረኽብኦ ረብሓ ከምዘየለ፣ ፕረዚደንት ዩክሬይን፣ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገሊጹ።

ንሱ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ዝተፈላለያ ሜድያታት እዛ ኣህጉር፣ ብመርበብ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ሩስያ ካብ ዩክሬይን ብ30 ዕጽፊ ትዓቢ ክነሳ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ወፍሪ ግና ካብ 1% ዝሓልፍ ከምዘይኮነ ጠቒሱ።

ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ ወፍሪ’ያ ከተካይድ ጸኒሓ ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብዚ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ንሩስያ ክኹንና ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ዩክሬይን ምስ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝምድናእ ንምሕያል፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ፣ ኣብ ወርሒ መስከረም ክትልእኽ መደብ ከምዘለዋ እቲ ፕረዚደንት ብተወሳኺ ኣተንቢሁ።

ኤርትራ እትርከበን ሒደት ሃገራት፣ ኣንጻር እቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ክካየድ ዝተወሰነ እገዳ ሕቡራት ሃገራት ክቃወማ እንከለዋ፣ ሓያሎ ድማ ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጢበን።

መሰረታዊ ናይ መግቢ ኣእካል ካብ ዩክሬይንን ሩስያን ክሽምታ ዝጸንሓ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ምስ ምውላዕ ኵናት ዕዳጋታተን ብኣሉታ ተጸልዩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ዝሓለፈ ቅንያት ኢትዮጵያ ናብ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ ምብጻሕ ዘካየደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ብኣንጻሩ፣ ኣፍሪቃ ግዳይ ዕብለላ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ትኸውን ከምዘላ’ዩ ወቒሱ።

ብፍላይ ኣብ ክሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ወትሃደራዊ ደጀን ንምቛም መደብ ከምዘለዋ እትግለጽ ሩስያ፣ ቅድሚ ምውዳቕ ስርዓት ሕብረት ሶቭየት ኣብ 1991፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበራ ጽልዋታት ዳግም ንምምላስ ትሰርሕ ከምዘላ ‘ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0