ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዶባተን ካብ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ፣ ሓድሽ ሜላ ምቁጽጻር የተታትዋ

Radio Erena: 27 February 2022

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዶባተን ካብ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ፣ ሓድሽ ሜላ ምቁጽጻር የተታትዋ ከምዘለዋ ተገሊጹ።
ኣገልግሎት ምቁጽጻር ዶባት ኤውሮጳ ‘ፍሮንተክስ’፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዶባት’ቲ ሕብረት ናይ ስለያ ካሜራታት ክጥቀም ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት መደብ ፍሮንተክስ፣ እዚ መሳርሒታት ስለያ ዝኣከቦ ሓበሬታ፣ ነንዝምልከተን ትካላት ምክልኻል ዶባት ክወሃብ ምዃኑ’ዩ ዝሕበር ዘሎ።
ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት፣ ፍሮንተክስ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ንዘውርዶ ዘሎ ምግሃስ መሰል ሓላፍነት ንዘይምውሳድ ዘውጸኦ መደብ እዩ ክብሉ ተቓውሞኦም ገሊጾም ኣለዉ።
ምስ ሊብያ ዝነበረ ተመሳሳሊ ምልውዋጥ ሓበሬታ፣ ስደተኛታት ገና ኣብ ክሊ ማያት ኤውሮጳ ከይበጽሑ እንከለዉ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ መጠንቀቕታ ብምትሕልላፉ፣ እቶም ዝተታሕዙ ስደተኛታት ኣደዳ ግፍዕን ስቓይን ኮይኖም እዮም።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት፣ ኣብ ዓመተ 2021 ጥራይ ልዕሊ 32 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብምርካቦም፣ ኣብ ልዕሊኦም ቁጽሪ ዘይብሉ ግፍዕታት ከምዝተፈጸሞም የመልክት። 1,500 ካብ’ዚኦም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት እዮም።
ነዚ ሓድሽ ናይ ስለያ መሳርሒ ብዝምልከት ተሓቲቱ፣ ፍሮንተክስ ኣብ ዝሃቦ ናይ ጽሑፍ ምላሽ፣ እቲ ዝእከብ ሓበሬታ፣ ብዝሒ ስደተኛታት ንምክትታል ከምኡ’ውን ገበነኛታት ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ከይሰግሩ ንምቁጽጻር’ዩ፣ ካብ ምባል ሓሊፉ ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበን።
ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ግፍዕታት ዘውርዱ ዘለዉ ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፣ ናይ ስለያ ሓበሬታ ጥራይ ዘይኮነ፣ ፈጣናት ጀላቡን ካልእ ናይ ባሕሪያ መሳርሒታትን እውን ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ሓገዝ ተዋሂቡዎም እዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0