ሃለዋት ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ኣብ ዝጠፍኣላ ኤርትራ፣ ዕለተ ልደት ሩስያዊ ደራሲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ተጸንቢሉ

ሃለዋት ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ኣብ ዝጠፍኣላ ኤርትራ፣ ዕለተ ልደት ሩስያዊ ደራሲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ተጸንቢሉ

Radio Erena: 10 June 2016

Alex

ሃለዋት ሓያሎ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፣ ደረስትን ጸሓፍትን ጠፊኡላ ኣብ ዘሎ ኤርትራ፣ ዕለተ ልደት ሩስያዊ ደራሲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ብድምቀት ተጸንቢሉ።

ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ብ6 ሰነ ዝተኻየደ ጽምብል ዕለተ ልደት ሩስያዊ ደራሲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ሓለፍቲ ህግደፍን ሰበ ስልጣን መንግስትን ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኤርትራን ንካልኦት ዕዱማትን ተረኺቦም።

ህቡብ ጋዜጠኛ፣ ደራሲ፣ መምህርን ፖለቲከኛን ንዝነበሩ ከም በዓል ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም ንዝኣመሰሉ ገዛእ ዜጋታቱ ክብሪ ዘይሃበ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ናይ ኤርትራ መበቖል ኣለዎ እናተባህለ ዝውረየሉ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ግና ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ ሓልወቲ ከምዘቖመሉ ዝፍለጥ’ዩ።

 

ንገዛእ ዜጋታቱ ክብሪ ዘይሃበን ዘየተባበዐን መንግስቲ ኤርትራ ንክብሪ ካልኦት ሃገራት ዝጸዓቱ ጓኖት፣ ዝልዓለ ክብሪ ሂቡ ሓወልቲ ከቑመሎም ንሓያሎ ዜጋታት ከምዘቖጠዐ’ውን ይግለጽ።

እቲ መንግስቲ ንኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፣ ጸሓፍትን ደረስትን ክብሪ ኣይህብን ጥራይ ዘይኮነ፣ ንሓያሎ ካብኣቶም’ውን ንኣስታት 15 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብምድጓን፣ ሃለዋቶም ከምዝጠፍእ ጌሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ካብ ለካቲት 2009 ኣትሒዙ ብዘይዝኾነ ወግዓዊ ክስን ሕጋዊ መስርሕን ንሽዱሽተ ዓመታት ቀይድዎም ዝነበረ ህቡባት መንእሰያት ገጠምቲ፣ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን’ውን ኣብ ጥሪ 2015 ብዘይወግዓዊ ኣገባብን ብምፍርራሕ ከምዝለቐቖም ይዝከር።

Alex

ካልእስ ይትረፍ፣ እቲ መንግስቲ ዓለም ምሉእ መዓልቲ ሓዘን ንዝኣወጀትሎም ኣብ ላምፔዱሳ ንዝጠሓሉ ኣማኢትን፣ ኣብ ሊብያ ንዝተሓርዱ 10ታትን ዜጋታት ኤርትራ ወግዓዊ ዝኽሪ ከምዘይገበረሎም ኣይርሳዕን።

ሩስያዊ ደራሲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን፣ ኣቦሓጎታቱ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ካብዚ ሕጂ ሃገረ-ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ከባቢታት ናብ ሩስያ ዝፈለሱ’ዮም ተባሂሉ’ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንጽንበል ዕለተ-ልደት እቲ ቅድሚ 217 ዓመታት ዝተወልደ ፑሽኪን ብማዕከናት ዜናታቱ’ውን ኣቃሊሕዎ’ዩ።

 

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0