ፖሊስ ፈረንሳ፣ ናብ እንግሊዝ ንምስጋር ኣብ ካሌ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 600 ስደተኛታት በቲኖም

ፖሊስ ፈረንሳ፣ ናብ እንግሊዝ ንምስጋር ኣብ ካሌ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 600 ስደተኛታት በቲኖም

Radio Erena: May 29, 2014

Calais

ፖሊስ ፈረንሳ፣ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ኣብ ጎደናታት ንዝበሩ ኣማኤት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ከምዝበተንዎም ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።

እቶም ስደተኛታት፣ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሳብ ዝሰግሩ ኣብታ ከተማ ባዕላቶም ብዘቖምዎ ብቴንዳታትን ካርቱናትን ዝተሰርሐ ግዝያዊ መጽለሊ ብምትካል’ዮም ክናበሩ ጸኒሖም።

እቶም ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ሶርያ፣ ሶርያ፣ ኣፍጋኒስታንን ካልኦት ሃገራት ዝርከብዎምሎሊ 600 ስደተኛታት ነናቶም ግዝያዊ ካምፕታት ብምቛም ክነብሩ ከምዝጸንሑ ዝሓበረ ኣፈኛ ፖሊስ እቲ ከባቢ ድማ፣ ዝነብርሉ ዘለዉ ኩነታት ንጥዕና ሓደገኛ ስለዝኾነ ክብትንዎም ከምዝተገደዱ ኣረዲኡ።

 

ሰበ ስልጣን ከተማ ካሌ ብወገኖም፣ ኣብ መንጎ እቶም ስደተኛታት ተላባዒ ናይ ቆርበት ሕማም ስለዝተራእየ፣ ኣብ ፈረንሳ ኢዶም ክህቡን ሕክምና ክረኽቡን ንዝቐረበሎም ጻውዒት ስለዝነጸጉ፣ ንኽብትንዎም ከምዝተገደዱ ይጠቕሱ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብወገኖም ሰበ ስልጣን እታ ከተማ ኣብ ልዕሊ’ቶም ስደተኛታት ዝወሰድዎ ስጉምቲ ካብ ጽልኢ ስደተኛታት ዝነቐለ ደኣምበር ናይ ሓቂ ዘስግእ ሕማም ስለዝተራእየ ከምዘይኮነ ብምግላጽ ነቲ ፈረንሳ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኮኒኖም።

ብዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝወሓዙ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምስጋር ኣብታ ንፈረንሳን እንግሊዝን እተዳውብ ወደባዊት ከተማ ካሌ’ዮም ዝተኣኻኸቡ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ካሌ ኣብ ዝጸንሕሉ ካብ ሰሙናት ክሳብ ናይ ኣዋርሕ ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ፣ በብመበቖል ሃገሮም ባዕላቶም ግዝያዊ ካምፕታት ከምዘቑሙን ሓደ ካብቲ ፍሉጥ ካምፕታት ድማ ብኤርትራውያን ዝቖመ ‘ኤርትራ’ ተባሂሉ ከምዝጽዋዕ ይፍለጥ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0