ፖሊስ ኢጣልያ፣ ስደተኛታት ብምሕጋዝ ንዝተፈልጠ ኤርትራዊ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ይምርምር

ፖሊስ ኢጣልያ፣ ስደተኛታት ብምሕጋዝ ንዝተፈልጠ ኤርትራዊ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ይምርምር

Radio Erena: 10 August 2017

Aba Musie

ፖሊስ ኢጣልያ፣ ስደተኛታት ብምሕጋዝ ንዝተፈልጠ ኤርትራዊ ቀሺ ሙሴ ዘርኣይ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ይምርምሮ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ንዘጋጠሞም ይኹን ኣብ ካልእ ከበድቲ ጸገማት ንዝወደቑ ስደተኛታት ብምሕጋዝ ግኑን ስም ዘለዎ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፣ ህይወት ኣማኢት ስደተኛታት ንምድሓን ብዝገበሮ ጻዕሪ ኣብ 2015 ንስልማት ኖቤል ተሓጽዩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ኣኽባር ሕጊ ትራፓኒ ናይ ኢጣልያ፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ብምኽሳስ ጉዳዩ ክጻረ ምዃኑ ከምዝሓበሮ፣ ኣብ ሮማ ንዝርከብ ወኪል ኣገልግልት ዜና ፈረንሳ ዝገለጸ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፣ ብኸምዚ ዓይነት መርመራ ናብ ፖሊስ ይኹን ናብ ካልእ ኣጋጣሚታት ተጸዊዑ ከምዘይፈልጥ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ምሕጋዝ ስደተኛታትን ግብረ ሰናይ ንጥፈታትን ዝተዋፈረ ኣጀንስያ ሓበሻ ዝተባህለ ወግዓዊ ማሕበር ዘካየድ ኣባ ሙዜ ዘርኣይ፣ እዚ ብኣክባር ሕጊ ትራፓኒ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲን መርመራን፣ ነዚ ቀርብሉ ዘሎ ክሲ ብምንጻግ ዕላምኡ ህይወት ሰባት ንምድሓን ምዃኑ ደጊሙ ኣነጺሩ።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዘጋጠሞም ስደተኛታት ናብ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ኣብ ዝድውልሉ፣ ንሱ ድማ ተመሊሱ ናብ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያን ኣብ ምድሓን ስደተኛታት ዝተዋፈራ ትካላትን ብምድዋል፣ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ከምዘድሓነ ሰነዳት የረጋግጽ።

ፖሊስ ኢጣልያ፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝህደን ዕሉል ገበነኛ’ዩ ብዝብል መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ ዝተባህለ ተራ ኤርትራዊ ስደተኛ ካብ ካርቱም ብጌጋ ኣምጺኡ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣሲርዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0