ፕ. ጆ ባይደን፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ብዝተኣሳሰር፣ ተወሳኺ ማዕቀብ ክንበር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ

Radio Erena: 19 September 2021

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናትን ኣስዒቡዎ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ብዝተኣሳሰር፣ ተወሳኺ ማዕቀብ ክንበር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
እዚ ዲፕሎማስያዊን ቁጠባዊን ማዕቀብ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኢድ ዘለዎም ወገናት፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓይልታት ትግራይ፣ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ከምኡ’ውን መንግስቲ ኤርትራ ዝምልከት ምዃኑ ተገሊጹ።
እዚ ፕረዚደንት ባይደን ዘውጸኦ መግለጺ፣ ንተወሳኺ ማዕቀብ ማዕጾ ዘርሑ ኮይኑ፣ መንግስታዊ ትካላት ምምሕዳር ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓይልታት ትግራይ፣ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን ጥራይ ዘይኮነ፣ ምስ’ዞም ወገናት ብምትሕብባር ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ነቲ ኲናት ክቕጽል ኢድ ዘለዎም ትካላትን ውልቀሰባትን እውን ዝምልከት ምዃኑ ተሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነቲ ማዕቀብ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ሃገሩ ኣብ ምምካት ኣንጻር ግብረ ሸበራ ምስ ኣመሪካ ክትተሓባበር ምጽናሓ ድሕሪ ምዝኽኻር፣ መንግስቱ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ኣብ ዝወስደሉ እዋን ካብ ኣመሪካ ምትሕብባር እምበር ንሓደ ወገን ምድላው ትጽቢት ኣይነበረናን ኢሉ።
ንሱ ኣብ መግለጺኡ ፕረዚደንት ባይደን እኹል መጽናዕቲ ብዘይገበሩ ዲፕሎማሰኛታት ዝቐረበ ኣብ ግጉይ ሓበሬታ ብምምርኳስ ነቲ ውሳኔ ኣሕሊፉ ክብል ወቒሱ።
መንግስቲ ኤርትራ’ውን ብኣፈኝኡ ኣቢሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ድሕሪ’ዚ ብፕረዚደንት ባይደን ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነቲ ኣመሪካ ዘቕረበቶ እማመ ሰላም ተቐቢሎም ኩሎም ወገናት ናብ መኣዲ ዘተ እንተ ቀሪቦም፣ ናብ ማዕቀብ ዘእቱ ጉዳይ ከምዘይህሉ ኣመልኪቱ።
ልዕሊ 10 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ብትግራይ ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፣ ናብ ክልላት ዓፈርን ኣምሓራን ሰጊሩ ብምህላዉ፣ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ፣ ካብ ቤት ንብረቶም ናይ ዝመዛበሉ፣ ዝግፍዑን ከቢድ ምክልባትን ናይዝወርዶም ዘለዉ ዜጋታት እታ ሃገር መዓልታዊ እንዳዛየደ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።

================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0