ፕ.ኣልበሽር፣ ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ መሪሕነት ናብ ምኽትሉ ኣመሓላሊፉ

ፕ.ኣልበሽር፣ ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ መሪሕነት ናብ ምኽትሉ ኣመሓላሊፉ

Radio Erena: 03 March 2019

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ መሪሕነት ናብ ምኽትሉ ኣሰጋጊሩ።

ብህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ዝርከብ ኣልበሽር፣ ኣቦ ወንበርነት ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ብወግዒ ከምዘረከበ እኳ እንተገለጸ፣ ስልጣን ፕረዚደንትነት ግና ከምዘይሓደገ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ስልጣን ሰልፉ ዘረከበሉ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፣ ንኩለን ሰልፍታት ዝውክል መንግስቲ ንምምስራት ኣብ መስርሕ ስለዝርከብ፣ ዘይሻራዊ ንምዃን ዓሊሙ ዝገበሮ ምዃኑ ገሊጹ።

እንተኾነ ተንተንቲ ፖለቲካ ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት፣ እቲ ፕረዚደንት ስልጣኑ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይሓደገ፣ እኳ ደኣ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ሰልፊ ፍልልያት ይፍጠር ከምዘሎ ዘመልክት’ዩ ክብሉ ይገልጹ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ተቓውሞ ህዝቢ ደው ንምባል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ምእዋጁ ዝዝከር እዩ። ብመሰረት’ቲ ኣዋጅ ዝቖመ ሓድሽ ቤት ፍርዲ ድሮ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ።

እቲ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዝሓለፈ ሓሙስ 28 ለካቲት ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ዝተቐየዱ 59 ሰባት፣ ካብ ክልተ ወርሒ ክሳብ ሸውዓተ ዓመት ዝጸንሕ ማእሰርቲ በዪኑ።

እቶም ንፍርዲ ዝቐረቡ 59 ሰባት፣ ንብረት ህዝብን መንግስትን ብምዕናው፣ መንገድታት ብምዕጻውን ካልእ ሕግታት ብምጥሓስን ዝብል ክስታት እዩ ተመስሪቱሎም።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣንጻሩ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ብሓይሊ ንምጭፍላቑ ተሪር ስጉምታት ይወስድ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ካርቱምን፣ ኡምዱርማንን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ናዕቢ ገና ፈኸም እንዳበለ ይልሕም ከምዘሎ ማዕከናት ዜና፣ ካብታ ሃገር ይገልጻ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0