ፕ.ኢሳይያስን ኣሚር ቐጠርን ርክብ ኣካዪዶም

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ኣሚር ቐጠር ሓማድ ቢን ከሊፋ ኣልታኒ ኣብ ዶሓ ተራኺቡ ተዘራሪቡ።

    ካብ ቀንዲ መወልቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነት ቐጠር፣ ብጉዳይ እቲ ገና ማዕልቦ ዘይረኸበ ምስሕሓብ ኤርትራን ጅቡትን፣ ጉዳይ ክራይ ወደብ ዓሰብ ከምኡ’ውን ጉዳይ ሶማልን ሱዳንን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቀጻሊ ዝርርባት ከምእተካይድ ይፍለጥ።

    እዚ ሕጂ ኣብ ዶሓ ዝተኻየደ ርክብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ሸኽ ሓማድ ቢን ከሊፋ ኣልታንን’ውን ካብዚ ዝፍለ ከምዘይኮነ ነቲ ብጉልፍ ኒውስ ዝተፈነወ ዜና ዝተዓዘቡ ተንተንቲ ይጠቕሱ።

    ካብ ዞባውን ኣህጉራውን ርክባት ተነጺሉ ዘሎ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ንዘለዎ ጸገም ብመንገዲ ቐጠር ክፍትሖ ጥራይ ከምዝደሊ’ዩ ዝግለጽ።

    ኣብቲ ኣብ 2008 ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዝተኻየደ ኵናት ምምላስ ብኽልቲኦም ወገናት ናይ ዝተማረኹ ወትሃደራት ብዝምልከት’ውን ብመንጎኝነት ቐጠር ጻዕርታት ይቕጽል ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

    ኣብ ዳህላክ ንመዘናግዒ ዘገልግል ውቁብ ቪላታት እትሃንጽ ዘላ ቐጠር፣ ንወደብ ዓሰብ ብኽራይ ክትግልገለሉ ከምእትደሊ’ውን ሓያሎ ማዕከናት ዜና ብተደጋጋሚ ዝጠቕስኦ ዘለዋ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0