ፕ/ኢሳይያስን ሰበ ስልጣናቱን ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዘኽስሶም መርትዖታት ክትእክብ ዝጸንሐት መርማሪት ኮሚሽን ጸብጻባ ጽባሕ ክትዝርግሕ’ያ

ፕ/ኢሳይያስን ሰበ ስልጣናቱን ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዘኽስሶም መርትዖታት ክትእክብ ዝጸንሐት መርማሪት ኮሚሽን ጸብጻባ ጽባሕ ክትዝርግሕ’ያ

Radio Erena: 07 June 2016

CIOE

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ሰበ ስልጣናቱን፣ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቦም ዝፍጽምዎ ዘለዉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዘኽስሶም እንተኾነ መርትዖታት ክትእክብ ዝጸንሐት መርማሪት ኮሚሽን፣ ጸብጻባ ጽባሕ ሮቡዕ 8 ሰነ፣ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ናብ ህዝቢ ክትዝርግሕ’ያ።

እቲ ጸብጻብ ኣብ ቅድሚ’ቲ ን21 ሰነ፣ ኣብ ጄኔቫ ዝጋባእ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት’ውን ብኣቦ መንበር መርማሪት ኮሚሽን ማኡክ ስሚዝ ክቐርብ እኳ እንተኾነ፣ ምሉእ ትሕዝቶ’ቲ ጸብጻብ ብምሉእ ህዝቢ መታን ክፈልጦን ክዝትየሉን ግና ጽባሕ ክዝርጋሕ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ንዕማም እታ ኮሚሽን ከነኣእሶን ከቖናጽብን እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብዘን ዝሓለፈ መዓልታት ግና እታ ኮሚሽን ጸብጻባ ናብ ህዝቢ ከይትዝርግሕ ዘተሓሳስብን ዘጠንቕቕን ክልተ መግለጺታት ከጽእ ተገዲዱ ኣሎ።

 

ብዛዕባ’ቲ ሎሚ ዝዝርጋሕ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሻቕሎት ፈጢርሉ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ መግለጺታት ንምሃብ ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣቶ የማን ገብርኣብ ዝመርሖ ልኡኽ ኣብ ጄኔቫ ተረኺቡ’ሎ።

ጸብጻብ እታ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት መርማሪት ኮሚሽን፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሰበ ስልጣናቱን ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎም እንተረጋጊጻ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክኽሰሱ ተኻሎ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት እንተተኸሲሱ፣ ኣብ ስልጣን እንከለዉ ብተመሳሳሊ ገበን ካብ ዝተኸሱ መራሕቲ ድሕሪ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካልኣይ ክኸውን’ዩ።

ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ’ውን ንጸብጻብ እታ ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ን23 ሰነ ኣብ ጄኔቫ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ’ዮም።

እታ ኮሚሽን፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ዘረጋግጽ መርትዖታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻባ ምቕራባ ኣይርሳዕን።

ክቡራት ሰማዕትና፣ ናይዚ ሎሚ ዝዝርጋሕ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወና ከነቕርቦ ኢና።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0