ፕ. ኢሰያስ ዝመርሖ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ቀዳም 14 ሓምለ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

ፕ. ኢሰያስ ዝመርሖ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ቀዳም 14 ሓምለ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

Radio Erena: 15 July 2018

 iseyas in ethፕረዚደንት ኢሰያስ ዝመርሖ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ንምፍጻም፣ ቀዳም 14 ሓምለ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝርከቦም ሓያሎ ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ወከልቲ ሃይማኖት፣ ወከልቲ ህዝቢን ክልላትን ኢትዮጵያ ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምሳሕ እንግዶት ተገይሩሉ ምስ ኣብቀዐ፣ ና ይ ኢንዱስትሪ ዞባ ንምዕዛብ ናብ ከተማ ኣዋሳ ኣምሪሑ።

ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣብቲ ናይ ምሳሕ እንግዶት ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ቃል፣ ንዕኡን ጉጅለኡን ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ድሕሪ ምምስጋን፣ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት’ዮም ኢሉ ዝሓስብ፣ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ’ዩ ክብል ኣስሚሩሉ።

ኣብ ሓጺር እዋን ብዘገርም ቅልጣፈ ዝግስግስ ዘሎ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ሓያሎ ሕቶታት የልዕል ኣሎ፣ ዝብሉ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ፖለቲከኛታት ኤርትራ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ መስርሕ ሰላምን ምሕዝነትን ንህዝቡ ግሉጽ ብዘይኮነ መንገዲ ሒዝዎ ስለዘሎ፣ ጥርጣረታቱ እንዳዓዘዘ ይመጽእ ከምዘሎ ይገልጹ።

ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ኣይተፈትሑን፣ ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካል ዝኾነ ኣንፈት ኣይተራእየን፣ ከምኡ’ውን ኩሉ ዓይነት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ገና ይቕጽል ስለዘሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ መጀመሪያ ምስ ህዝቡ ክተዓረቕ ኣለዎ ክብሉ’ውን ሓያሎ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ጥርዓናቶም የቕርቡ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0