ፕ.ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ብቑዕ ጥዕና ከምዘለዎ ገሊጹ

ፕ.ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ብቑዕ ጥዕና ከምዘለዎ ገሊጹ

Radio Erena: 03 August 2017

Mugabe 2

ናይ ዓለምና ዝሸምገለ መራሒ ሃገር፣ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ብቑዕ ጥዕና ከምዘለዎ ገሊጹ።

እቲ 93 ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ፕረዚደንት፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ምርጫ ንዕኡ ብምትካእ ንሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ ወኪሉ ዝወዳደር ሕርጹይ ፖለቲከኛ ክረቑሕ ጸቕጢ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ፣ ብጉዳይ ጥዕና ሰለስተ እዋን ኣብ ሲንጋፖር ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ድሕሪ ምምልላሱ፣ እቲ ፕረዚደንት ሃገር ክመርሕ ብቕዓት የብሉን እናተባህለ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ እዋን’ዩ፣ በዓልቲ ቤቱ እትርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ዝትክኦ ሰብ ባዕሉ ክሓሪ ዝጠልቡ ዘለው።

እንተኾነ ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ኩሉ ክፋል ኣካላቱ ብግቡእ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ሓካይሙ ብምድልዳል ኣዕጽምቱ ከይተረፈ ከምዝግረሙ ኣብቲ ዝሃቦ መደረ ሓቢሩ።

ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ምርጫ፣ 94 ዓመት ዕድመ ዝገብር ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ክወዳደር እንተወሲኑ፣ ክሳብ 98 ዓመት ዕድሚኡ ነታ ሃገር ክመርሓ’ዩ።

ካብ 1980 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ እቲ ዝሸምገለ መራሒ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ካብቶም ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ 10 ውልቀ መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ’ዩ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0