ፕ.ሙጋቤ ብጽኑዕ ሓሚሙ፣ ተባሂሉ ዝተዘርገሐ ዜና ሓሶት ምዃኑ ተገሊጹ

mugabeፕረዚደንት ዚምባብወ ሮበርት ሙጋቤ ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣብ ዱባይ ሕክምናዊ ረዲኤት ይግበረሉ’ሎ ተባሂሉ ዝተዘርገሐ ዜና ሓሶት ምዃኑ፣ እቲ ፕረዚደንት ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተመልሰሉ እዋን ገሊጹ።
ሙጋቤ ኣብ ስዋዚላንድ ኣብ ኮንፈረንስ እንከሎ ሃንደበት ናብታ ብተደጋጋሚ ሕክምና ዝገብረላ ሲንጋፖር ጉዕዞኡ ድሕሪ ምጅማር ካብ ወሽመጥ ፐርሺያ ብምምላስ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እዩ ኣዕሪፉ።

እንተኾነ እቲ ፕረዚደንት ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተመልሰሉ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ናብ ዱባይ መኸዲኡ ናይ ስድራቤት ጉዳይ ከምዝነበሮን ምስ ወዱ ንሳልስቲ ከምጸንሐን ገሊጹ።
ቁጠባዊ ቅልውላውን ግዕዙይ ምሕደራን ዘበገሶ ህዝባዊ ናዕቢ ንዚምባብወ ከናውጻ ኣብ ዝቐነየሉ እዋን፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝኾነ ህዝባዊ መራኸቢታት ብዘይምቕራቡ፣ ብከቢድ ሓሚሙ ወይ’ውን ሞይቱ ክኸውን ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ብተደጋጋሚ ክውረ ጸኒሑ’ዩ።
ወዲ 92 ዓመት ሮበርት ሙጋቤ ካብ 1980 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ውልቀ መላኺ ኮይኑ፣ ኣብ 2018 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ’ታ ሃገር’ውን ክሳተፍ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0