ፕርዚደንት  ኣልበሽር፣ ኣብ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዘይተሳተፈሉ ምኽንያት ብሰንኪ ሕማም’ዩ ተባሂሉ

ፕርዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዘይተሳተፈሉ ምኽንያት ብሰንኪ ሕማም’ዩ ተባሂሉ

Radio Erena: May 27, 2014

Albashir

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ መበል 23 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ዘይተሳተፈሉ ምኽንያት ብሰንኪ ሕማም ምዃኑ ምንጭታት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊዐን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሱዳን ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝኸተሞ ኣብ ጸዓት፣ ጸጥታን ካልእ ጉዳያትን ዘተኮረ ስምምዕ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ክሳተፍ’ውን ወግዓዊ ዕድመ ከምዘቕረበሉ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

 

እንተኾነ ፕረዚደንት ኣልበሽር ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምፍናዩዉ ብኡ ንብኡ ናብ ሆስፒታል ኣምሪሑ ናይ ብርኪ መጥባሕቲ ከምዘካየደ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ድሕሪ’ቲ ዘካይዶ ናይ ብርኪ መጥባሕቲ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ እንተዘይኮይኑ ብዙሕ ክንቐሳቐስ ከምዘይክኣለ’ውን ምንጭታት ዜና ክጠቐሳ ጸኒሐን’የን።

ኣብ መበል 23 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ክሳተፍ ዘይክኣለ ፕረዚደንት ኣልበሽር ንናይ ቀረባ ኣማኻሪኡ ኢብራሂም ጋንዶር ዝመርሖ ልኡኽ ኣብ ክንድኡ ክሳተፍ ከምዝመዘዞ’ውን ይግለጽ።

ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንፕረዚደንት ኣለብሽር ወኪሉ ዝተሳተፈ ኢብራሂም ጋንዶር’ውን ብዛዕባ’ዚ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ሓሶት’ዩ ክብል ነቲ ዝቃላሕ ዘሎ ሓበሬታ ነጺግዎ።

70 ዓመት ዝዕድሚኡ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ስነ ስርዓት ምፍጻም ቃለ መሓላ ዳግም ዝተመርጸ ፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ ንኽርከብ ንዝቐረበሉ ዕድመ ክሳተፍ ኣይከኣለን።

ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ባክሪ ሓሰን ሳልሕ ንፕረዚደንት ኣልበሽር ብምትካእ ኣብቲ ስነ ስርዓት ተሳቲፉ።
=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0