ፕረዚድንታት ጂቡቲን ግብጽን ኣብ ጉዳይ እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶ ብዝምልከት ተመያይጦም

Radio Erena: 19 April 2021

ፕረዚደንታት ጂቡቲን ግብጺን፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶን ኣጠቓቕማ ናይልን ብዝምልክተ ከምዝዘተመያየጡ ኣገልግሎት ዜና ግብጺ- መና ሓቢሩ።

እቶም መራሕቲ፣ ብ15 ሚያዝያ፣ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ኣጠቓቕማ ናይልን ኣብ ጉዳይ እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ብዝምልክተ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ፣ ንርግኣትን ጸጥታን እቲ ዞባ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።

ጂቡቲ፣ ኣብ ማይ ክዖ ናይል ዘይትርከብ ሃገር እኳ እንተኾነ፣ ብጉዳይ ወደብን ካልእ ክልትኣዊ ርክባትን ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዋ ብምዃና፣ ግብጺ ብዛዕባ ናይል ምስታ ሃገር ክትመያየጥ ከምዝደረኻ’ዩ ተሓቢሩ።

ናይ ማይን ጸዓትን ኣገልግሎት ካብ ኢትዮጵያ ንምርካብ ትጽቢት ኣንቢራ ዘላ ጂቡቲ፣ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ንመርገጺ ኢትዮጵያ ከምእትድግፍ ዲፕሎማሰኛታት ይእምቱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0