ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዘትዩ

ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዘትዩ

Radio Erena: 05 November 2015

Su and Sa

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብን ኣብ ህሉው ኩነታት ቀይሕ ባሕሪ፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘትዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ብሰሉስ 3 ሕዳር፣ ኣብ ሪያድ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ’ዮም ኣብ ዞባዊ ጉዳይ ተዘራሪቦም።

ብዘይካ’ዚ’ውን ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ሱዳን ኣስታት 300 ሰራዊት ናብ የመን ምልኣኻ፣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሕርሻ፣ ጸዓትን ካልእ ናይ ልምዓት መደባትን ዘተኮረ ሓገዝ ክትገብረላ’ያ።

 

ኣብዚ ናይ ትማሊ ርክብ መራሕቲ ሱዳንን ሶኡዲ ዓረብን’ውን ንትግባረ እቲ ሓገዝ ብዝምልከት ስምምዕ ከምዝተኸተመ ምንጭታት ዜና ካብ ሪያድ ሓቢሮም።

ርክብ ፕረዚደንት ኣልበሽርን ንጉስ ሳልማንን፣ ከም መቀጸልታ ናይቲ ስዑዲ ዓረብ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ እተካይዶ ዘላ ስልታዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕ ይጠቕሱ።

መራሕቲ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ነዚ ስዑዲ ዓረብ ብሰንኪ ጉዳይ የመን ኣበጋጊሳቶ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ፣ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ እናተጠቕሙ፣ ምስታ ሃገር ዝምድንኦም ንምምሕያሽ ይጓየዩ ምህላዎም እቶም ተንተንቲ የረድኡ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ የመን ንእተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ ስርሒታት ንምዕዋት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓረብን ወትሃደራዊ ሓይላ ንምራኣይ’ውን ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ኣብ ምክያድ’ያ ትርከብ።

ንጉስ ሳልማን ኣቀዲሙ ምስ መራሕቲ ኤርትራ፣ ጅቡቲ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ተመሳሳሊ ርክባት ከምዘካየደ’ውን ይዝከር።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0