ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር፣ ኒኮላስ ሳርኮዚ፣ ንሰለስተ ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 01 March 2021

ንፈረንሳ ካብ 2007 ክሳብ 2012 ዝመርሐ፣ ፕረዚደንት ነበር፣ ኒኮላስ ሳርኮዚ፣ ብክሲ ብልሽውና ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኽበ ንሰለስተ ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ብጉዳይ ምርጫ ተኸሲሱ፣ ጉዳዮ ኣብ ቤት ፍርዲ ይርኣየሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፣ ንዳኛ ብጉቦን፣ ናይ ስልጣን መብጽዓታት ብምእታውን ከስድዕ ብምፍታኑ፣ ‘ንሕጊን ፍትሕን ኣታሊልካ’ ተባሂሉ’ዩ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።

ወዲ 66 ዓመት ፕረዚደንት ነበር፣ ኒኮላስ ሳርኮዚ፣ ኣብ እዋን ምርጫ፣ ካብ መራሒ ሊብያ ነበር፣ ሙዓመር ቐዛፊ ገንዘብ ተቐቢልካን ካልእ ምድንጋራት ፈጺምካን ተባሂሉ’ውን ተኸሲሱ’ዩ።

ገበነኛ ኮይኑ ዘሎ ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር፣ ንማእሰርቲ ካብ ዝተፈርዶ ሰለስተ ዓመታት፣ እቲ ሓደ ዓመት ናይ ግድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሕልፎ ክውሰነሉ እንከሎ፣ እቲ ክልተ ዓመታት ድማ፣ ካልእ ገበን እንተፈጺሙ፣ ኣብ ግብሪ ዝውዕል’ዩ።

ብደሞክራሲን ስርዓተ-ሕጊን ቅዋምን ኣብ ዝመሃደራ ሃገራት፣ መራሕቲ’ውን እንተኾኑ፣ ገበን ኣብ ዝፍጽምሉ ካብ ተሓታትነትን ሕግን ክሃድሙ ኣይክእሉን’ዮም።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0