ፕረዚደንት ግብጺ ኣብ ርዋንዳ ምብጻሕ ይፍጽም

ፕረዚደንት ግብጺ ኣብ ርዋንዳ ምብጻሕ ይፍጽም

Radio Erena: 16 August 2017

Al sisi in Rwanda

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ርዋንዳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ትማሊ 15 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኪጋሊ ኣብ ዝኣተወሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደጊሙ ኣብ ምርጫ ዝተዓወተ ፕረዚደንት ካጋመ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ድሙቕ ወትሃደራዊ ኣቐባብላ ጌርሉ።

ብጉዳይ’ቲ ኣብ ከባቢ ናይል እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ግብጺ፣ ምስተን ናይል ዘዋስነን ሃገራት ብምሽራኽ፣ ነቲ ኣብ ኢንተበ ዝተኸተመ ስምምዕ ናይዘን ሃገራት ንምፍሻሉ ትሰርሕ ከምዘላ ተንተንቲ ይጠቕሱ።

ግብጺ፣ ኣብ ጉዳይ ናይል ንዘለዋ መርገጺ ንምድጋፍ፣ ነዘን ሃገራት ኣብ ወፍርን ንግድን ዘተኮረ ሓያሎ ስምምዓት ተካይድ ከምዘላ’ውን የረድኡ።

ፕረዚደንት ግብጺ ኣብዚ ናይ ርዋንዳ ዑደቱ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝካየድ ንግዳዊ ልውውጥ ንምዕባይ’ዩ ዝብል ኣጀንዳ ከምዝተዘተየሉ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ የገንዝብ።

ሩዋንዳ ዓመታዊ ናይ 30 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሰድድ ናብ ግብጺ ክትልእኽ እንከላ፣ ሰደድ ግብጺ ናብ ሩዋንዳ ድማ 64 ሚልዮን ይበጽሕ።

ግብጺ፣ ምስ ኡጋንዳን ታንዛንያን’ውን ተመሳሳሊ ስምምዓት ኣብ ምክያድ’ያ ትርከብ።

ናይል ዘዋስነን 10ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ መንጎ’ዚ ንኢትዮጵያን ግብጽን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ብዛዕባ ኽሕዝኦ ዝኽእላ መርገጺ ተቐርቒረን ከምዘለዋ’ዩ ዝሕበር።

ግብጺ፣ ኢትዮጵያ ብእትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ንመጠን ወሓዚ ናይል ኮግድሎ’ዩ ካብ ዝብል ከቢድ ስግኣት፣ ኣብ ጉዳይ ናይል ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ንዓኣ ብዝያዳ ዘርብሕ ስምምዕ ብዙሕ ምምሕያሽ ከይተገብረሉ ክቕጽል’ያ እትደሊ።

ኢትዮጵያ ብወገና፣ ንረብሓ ግብጺ ብዘይትንክፍ መንገዲ፣ ነቲ ብከርሲ መሬታ ሰንጢቑ ዝሓልፍ ወሓዚ ኣብ ምምንጫው ናይ ኤልክትሪክ ጸዓት ክትረብሓሉ ብምሕላን፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ዝስራዕ ኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ዝተገመተ ዲጋ ኣብ ምህናጽ ትርከብ።

=====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0